Wednesday , April 24 2024
A man rides a bicycle through a flooded intersection in Zhengzhou in central China's Henan Province,(Chinatopix via AP) XMAS802

ቻይና፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዝሰዓበ ዕልቕልቕ፡ 12 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ማእከላይ ቻይና፡ ብዝተኸስተ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ዕልቕልቕ፡ 12 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ካብ ኣባይቶም ክግዕዙ ከም እተገደዱ ተገሊጹ።

ኣብ ማእከላይ ቻይና፡ ኣውራጃ ሄናን፡ ዝርከባ ልዕሊ ደርዘን ከተማታት እንተላይ ርእሰ ከተማኣ፡ ዠንግዡ፡ በዚ ብርቱዕ ዝናብ ተጸልየን ምህላወን ተፈሊጡ። ዝናብ ክሳብ ደረት እኹል ሰብ ከም ዝበጽሐ ብሰፊሑ ዝዝርግሑ ዘለዉ ስእሊታት ማሕበራዊ ሚድያ የረድኡ።

ፕረዚደንት ቻይና፡ ዢ ዢንፒን፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ኲነታት ኣዝዩ ጽንኲር ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ብርቱዕ ዝናብ ዘኸተሎ ውሕጅ ኣብ ህይወትን ንብረትን ዜጋታት ከቢድ ዕንወት ምኽታሉ ድሕሪ ምግላጽ ኣካላት መንግስቲ ንህይወትን ንብረትን ዜጋታት ቀዳምነት ብምሃብ ክሰርሓ ለበዋኡ ምትሕልላፉ ኣገልግሎት ዜና ሺንሁዋ ሓቢሩ’ሎ።

94 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣ ኣውራጃ ሄናን፡ ድሮ ዝለዓለ ደረጃ መጠንቀቕታ ኲነታት ኣየር ኣውጺኣ ኣላ። ከምዚ ዝበለ ውሕጅ ኣብ ሚእቲ ዓመት ሓንሳብ ጥራይ ዝኽሰት ሓደጋ እዩ ክብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com