Friday , March 29 2024

ቻይና፥ ካራ ኣብ ክሳድ ኣንቢርካ ዚካየድ ናይ ታሪፍ ኵናት

EkonomiTT-AFP

እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ተጀሚሩ ዘሎ ንግዳዊ ኵናት ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ዋሺንግቶን ”ነቲ ካራ ኣብ ክሳድና ኣንቢራ” ተፈራርሃና እናሃለወት፡ ምስ ኣመሪካ ዘተ ምክያድ ኣይተ|ኻእለን ትብል ቻይና።

ኣመሪካ ነቲ ናይ 200 ሚልያርድ ናይ ኣቕሑ ቻይና ታሪፍ ድሕሪ ምጅማራ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ፡ እቲ ናይ ቻይና ንግዲ ሚኒስተር ኪዛተ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ። ግን ከኣ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብምክብባር ኪገብራኦ ከም ዘለወን ሓቢሩ።

ሕጂ ግን ኣመሪካ ነቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝኾነ ንግዳዊ ታሪፍ ምስ ጀመረት፡ ካራ እያ ኣብ ክሳድና ኣንቢራ ዘላ። ከመይ ጌርና ኢና ብኸምዚ መገዲ እንዝቲ? ይብል ዋንግ ሹወን ኣብ ናይ ጋዜጣዊ ኮንፈረንስ።

ናይ ኣመሪካ ናይ ንግዲ ታሪፍ ናይቲ ኣብ ቻይና ዚኣቱ ኣቕሑ 10 ሚእታዊት ካብ 200 ሚልያርድ ዶላር እዩ። እቲ ናይ ቻይና ድማ ብኣንጻሩ 60 ሚልያርድ ዶላር እዩ ከም መቕጻዕቲ ተመዲቡ ዘሎ።

እዚ ሓድሽ ታሪፋት ንኣመሪካ ኣብ ኩሉ ኣቕሑ ምውሳኽ ዋጋ ከስዕብ እዩ፡ ከም ኣብ መጻዪት ደሮና (ዳምሱጋረ)፡ ሞደምን ሰርቨርን። ኣብ ቻይና ድማ ከም ናይ በዓል ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ዋጋን ናይ ነፈርቲ ዋጋን ኪድይብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com