Friday , March 29 2024
Jonas Ekströmer /TT

ቻይና ካልኣይቲ ወርሒ ኣብ ሰማያታ ንምስቃል ትቀራረብ

ቻይና ትስንዓ ዘላ ሰብ-ሰርሖ ወርሒ፡ ኣብ 2020 ኣብ ሰማያት ከተማ ቸንዱ (ክፍለ ሃገር ሲቹዋን) ክትሰቕላ ምዃና ንሰብ መዚ ናይታ ከተማ ብምጥቃስ ፒዩፕልስ ደይሊ ኦንላይን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዛ ብወዲ ሰብ ዝተሰርሐት (ኣርቲፊሻል) ወርሒ ነታ ባህርያዊት ወርሒ ክትትክኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሸሞንተ ዕጽፊ ካብ ናታ ዝደመቐ ብርሃን ክትህብ ምዃና እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ምስ ምጅማር እዛ ውጽኢት ስነ-ፍልጠት ዝኾነት ወርሒ፡ ኣብ ጎደናታት ከተማ ቸንዱ ንኤለክትሪካዊ መብራህቲ ዝውዕል ዝነበረ ወጻኢ ክድሕን ምዃኑን፡ እታ ወርሒ ክሳብ 80 ኪሎ ሜተር ሰንጣቒት ንዘለዎ ከባቢ ከተብርህ ምዃናን ፒዩፕልስ ደይሊ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

እታ ወርሒ ንከተማ ቸንዱ ጥራይ ተብርህ ትኹን እምበር፡ ኣብ መላእ ቻይናን ጎረባብታን ክትርአ ምዃና እውን ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ ብዛዕባ ግዝፊ ናይታ ወርሕን እትስቀለሉ ብራኸን ዛጊት ዝወጸ ሓበሬታ የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com