Thursday , April 25 2024
Peng Shuai (AP Photo/Mark Schiefelbein, File) TKMY104

ቻይና . . . ኮኾብ ተጻዋቲት ቴኒስ: ደሓን ኣለኹ ትብል

ቻይናዊት ተጻዋቲት ተኒስ: ፔንግ ሹዋይ: ትማል ሰንበት ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ቪድዮ ሓበሬታ: ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላዋ ምግላጻ: ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሊምፒክስ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት እታ ኮሚተ: ቶማስ ባኽ: ምስታ ኮኾብ ተጻዋቲት ን 30 ደቓይቕ ዝኸውን ግዜ ምዕላሉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። “ከመይ ትህሉ ኢልና ተሻቒልና ኔርና። ሕጂ ግና ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላዋ ኣረጋጊጽና ኣለና” ኢሉ።
35 ዓመት ዝዕድሜኣ ቻይናዊት ኮኾብ ተጻዋቲት ተኒስ: ፔንግ: ሓደ ላዕለዋይ ሚኒስተር ቻይና ጾታዊ ምትንዃይ ከም ዝፈጸመላ ድሕሪ ምግላጻ ንሰለስተ ቕነ ዝኣክል ካብ ዓይኒ ህዝቢ ምስ ተሰወረት ብዛዕባ ሃለዋታ ኣህጒራዊ ሻቕላ ፈጢራ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ንሳ ደሓን ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ኮሚተ ዘርኣዮ ሻቕላን ተገዳስነትን ኣመስጊና’ላ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com