Wednesday , April 24 2024

ነባሪ ሞታላ ዝኾነ ኤርትራዊ በዓልቲ ቤቱ ብምቕታሉ ይኽሰስ።

ኣብ ሞታላ (Motala) ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣቦ ክሲ ተኸፊትሉ’ሎ።

ሕዳር 8 እዮም ፖሊስ ኣብ ሰፈር Ekon ከባቢ Motala ከቢድ ክርፍስ ከም ዘሎ ሓበሬታ በጺሕዎም ዝመጹ።

ጐረቤት ገበነኛ “ነዛ ሰበይቲ ትሃስያ ኣሎኻ” ከም ዝበሎን ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ህይወታ ሓሊፋ ከም ዝጸንሓቶምን ገሊጾም።

እዛ ሰላሳታት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ኣካላታ ከቢድ ማህረምቲ ከም ዝወረዳ ፖሊስ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

እዚ እንክኸውን ክልተ ደቆም ኣብቲ ገዛ እዮም ኔሮም።

ካብዚ ፍጻመ ንደሓር እዞም ቈልዑ ኣብ ትሕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይእለዩ ምህላዎም ተፈሊጡ።

እቲ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ከም ዝሃረማ’ኳ እንተትኣመነ ካልእ ዝኾነ ኣይዝክርን እየ ይብል።

“ኣብ ግዜ መርመራ ዝሃቦ መልሲ ግልጺ ኣይኮነን፥ እንታይ እዩ ኣጋውሉ ክፈልጥ ተሸጊረ ኣሎኹ” ትብል መርማሪት Britt-Louise Voklund።

Britt-Louise Voklund እዚ ሰብ ነዚ ቅትለት ኮነ ኢሉ ብምፍጻሙ ብገበን ክፍረድ ኣለዎ በሃሊት እያ።

እቲ ብተደጋጋሚ ዝወረዳ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ኣብ ሳንቡኣ፡ልባ፡ጸላም ከብዳን ካልኦት ውሽጣዊ ኣካላታን ከቢድ መድመይቲ ኣብ ልዕሊ ምብጽሑ ገለ ካብ ኣዕጽምቲ መሰናግለኣ ምስባሩ እውን ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ሰብ በየናይ ድርኺት ነዚ ቅትለት ውዒልዎ ዛጊት ኣይተነግረን።ንሱ ናይ “ሓዳር ነገር” ተጓራፊጥና እዩ ዝብል።

ናይ ቃል ምስክርነት: ትዕዝብቲ ፖሊስን ጸብጻብ ርእይቶ ናይቶም ሬሳ መዋቲት ዝመርመሩ ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣብቲ መጋብኣያ ክሲ ክቐርቡ እዮም።

ዓቃቢ ሕጊ እቲ ገበነኛ ካብ ሽወደን ክባረርን ተመሊሱ ከይኣቱን ክግበር ጻውዒት ጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com