Friday , March 29 2024

ነዊሕ ሰዓታት ዝድቅስ ዶክተር ካብ ስርሑ ክስጐግ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

ላዕለዋይ ምክትታል ጥዕና ሽወደን ኣብ ቫርምላንድ ዝሰርሕ ዶክተር ነዊሕ ሰዓታት ናይ ምድቃስ ዝንባለ ስለዘርኣየ ናይ ስራሕ ፍቓዱ ክሰሓብ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ኒያ ቬርምላንድ ከምዚ ጸብጺባቶ’ላ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ እቲ ዶክተር ሰለስተ ናይ ፈተነ ዓመታት ኣሕሊፉ ብቑዕ ሞያዊ ክእለት ኣለዎ ተባሂሉ ከም እተገምገመ እንተኾነ ግና ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጀሚሩ ሕሙማት ይቕበል ዘይምህላዉ ተፈሊጡ።

ኮሚተ ጥዕና እቲ ምስሓብ ፍቓድ ስራሕ እዚ ዶክተር ተሪፉ ካልእ ናይ ፈተነ ግዜ ክወሃቦ ለበዋ ኣቕሪባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com