Friday , March 29 2024

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ሳልሳይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ንህይወትና ቀቢጽና ስቕ መሪጽና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሕብሪ ገጽና ተቀያይሩ፡ ኩላትና ኣውያት ዶርጋሕናዮ፡ ምስ ኣውያትና ተደሚሩ ዝያዳ ዓቕልና ጸበበና፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክወድቕ ጀመረ፡ ኣነ’ውን ክጽልምተኒ ከሎ ይርድኣኒ ነበረ፡ ጽባሕ ብዙሕ ነገር እንሰርሕ መንእሰያት ከለና፡ ነዛ ህይወትና ብዘይጠቕም ነጥፍኣ፡ ክቕጽለልካ ግዳ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣውያት ክድርጉሖ ምስ ጀመረ ሃለዋተይ ኣጥፋእኲ፡ ካብዚ ስዒቡ ዝኸፍአ’ዩ ስዒቡ፡ እዋይ—” ዳግማይ ንብዓት ጸረር ኣበለት፡ ዝኸፍኣ ከምዝስዓበ ተረድኣኒ።

“እንታይ ድኣ ገበርኲም፧” ዕትብ ኢለ፡ ነቲ ዝስዓበ ክፈልጥ ትሃወኽኲ።

“ይገርመካ’ዩ!” ኣዒንታ ኣፍጢጣ ነቲ ኣሰቓቒ ፍጻሜ ከተዘንትወለይ ጀመረት። “ዳርጋ ኲላትና ሕጽረት ትንፋስ ገይርና ክንወድቅ ምስ ጀመርና፡ ነታ መኪና ብኸቢድ ክንኲሕኲሓ ስለ ዝጀመርና፡ ድምጽና ንደገ ክወጽእ ጀመረ፡ እቲ ነታ መኪና ዝመርሓ ዝነበረ ኣውቲስታ፡ በቲ ዝፈጠርናዮ ከቢድ ድምጺ ስለ ዝፈርሐ፡ ነታ መኪና ሃንደበት ደው ብምባል፡ ተዓጺናዮ ንዝነበርና ኮንቴነር ከፈቶ፡ ዓቅልና ጸቢብና ዝነበረ ሰባት፡ ንፋስ ንምርካብ እናተጸቃቐጥና ናብ ጽርግያ ብምውጻእ፡ ነቲ ከባቢ ምልእ በልናዮ፡ በዚ መጺኦም ዘይበልናዮም ብርክት ዝበሉ ፖሊስ ናባና ክመጹ ምስ ተዓዘብና፡ ናብ ነብሎ ጠፍኣና፡ ነታ ዓባይ መኪና ክመርሓ ዝጸንሐ ሰብ፡ ፖሊስ ክመጹ ምስ ርኣየ፡ ገዲፍና ተመርቀፈ፣ እዚ ምስ ኮነ ዝነበረና ዓቕሚ ተጸንቒቑ ናብ ነብሎ ጠፍኣና። ኣእጋርና ረሸሽ ኢልና፡ ዳርጋ ኲላትና ኣብ ዘለናዮ ርኽሙሽ ኢልና ኮፍ በልና፡ እቲ ዝስዕብ እንታይ ምዃኑ መታን ክንፈልጥ—” ኣብ ዕላል’ውን ግዲ ረሸሽ ኢልዋ፡ ንሓጺር ዕረፍቲ ሰጥ በለት።

“እዚ ዂሉ መስዋእቲ ከፊልኲም፡ ኣብ ዝብጻሕ ደሞ በጺሕኲም፧” ምስ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ብምንጽጻር፡ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ክፈልጥ ተሃንጠዂ።

“ብርክት ዝበላ ፖሊስ ዝጽዓና መካይን ኣኽቢበን ሓዛና፡ ምሓዝና ቁሩብ እፎይታ ፈጠረልና፡ ምኽንያቱ እንተውሓደ ብውሑስ መንገዲ ናብ ውሽጢ ግሪኽ ከእትዉና’ዮም ዝብል ጽኑዕ እምነት ነበረና። ግና ኲሉ ኣንጻር ትጽቢትና’ዩ ኮይኑ–”

“ከመይ፧”

“ግሪኽ ምስ ሃገረ ቱርክን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሓደ ስምምዕ ኣለወን መስለኒ፣ ኣብ ከባቢ ዶብ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተታሕዙ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ናብ ሃገረ ቱርኪ’ዮም ዝምለሱ፡ ንሕና ድማ ኲላትና ምስ ተታሓዝና፡ ናብ ሃገረ ቱርኪ’ዮም መሊሰሙና፡ ይገርመካ’ዩ እዚ ዂሉ ንህይወትና ግዳይ ገይርና ድዋዕዋዕ ከምዘይተባሃልና፡ ኣብ መወዳእታ ንዂላትና ጠርኒፎም ናብ ቱርኪ መሊሶሙና፡ እዚ ዂሉ ክልተ ለይቲ ዝተጓዓዝናዮ መንገዲ፡ ንሶም ክመልሱና ከለዉ፡ ክልተ ሰዓት ከማን ኣይወሰደትልናን፡ ብዝኾነ ናብ ሓለዋ ዶብ ቱርኪ ኣረኪበሙና፡ ኣረኪበሙና’ውን ኣይኮኑን ገዲፎሙና ከይደሞ፡ ሽዑ እቶም ናይ ቱርኪ መጺኦም ሒዘሙና። ንሶም ድማ ክልተ መዓልቲ ኣሲሮም ናብታ ዝተበገስናላ ከተማ ኢስታንፑል መሊሰሙና፡ ኣብ ገዛ ናይቲ ደላላይ ድማ ዳግማይ ተመሊስና፡ ሽዑ ዝተሰምዓኒ ሕርቓን ክነግረካ ኣይክእልን’የ፡ ልዕሊ ዓቐን’የ ብሕርቓን ክትኮስ ደልየ፡ ኣርባዕተ መዓልቲ ድቃስ ዝብሃል ከይደቀስኩ፡ ብዛዕባ ነብሰይ ክሓስብ ቀነዂ፡ እታ ዝሓልማ ምዕብልቲ ኤውሮጳ ከይበጻሕክዋ ከይመውት ፈሪሐ። ካልእ ይትረፍ እቲ የሕዋተይ ጨቐቕ ኢሎም ዘዋህለልዎ’ሞ፡ ንዓይ ንምስጋር ዝተኸፍለ ገንዘብ ተራእየኒ፡ ኲሉ ተደሚሩ ተስፋ ኣቑረጸኒ፡ ተስፋ ዘሕደርኲሉ ትምህርተይ ገዲፈ ምውጽአይ ኣጣዓሰኒ፡ ናይ ዓለም ዘበለ ነገር ድማ ኣጽልኣኒ—” ተስፍኣ ከምዝበነነ ብርሁ ኮነለይ።

“ኣብ ዝቀጸለ’ሞ እንተይ ገበርኪ፧” ዝቅጽል እንታይ ክኸውን’ዩ በልኲ።

“ከባቢ ወርሒ ከዕርፍ ወሲነ፡ ካልኦት ከምዚ ኸማይ ሰገርቲ ደጋጊሞም ክፍትኑ ከለዉ፡ ገለ ተታሒዞም ክመጹ ከለዉ፡ ገለ ድማ ሰሊጥዎም ይኣትዉ ነበሩ። ንኣስታት ሓደ ወርሒ ምስ ኣዕረፍኲን ምስ ተረጋጋእኲን፡ ኣነ’ውን ዳግማይ ክፍትን ወሰንኲ፡ ስነይ ነኺሰ ድማ ዝጋጠመ ከጋጥም ምስ ዕሽነተይ ዳግማይ ተበገስኲ። ኣብዛ ካልኣይቲ ግና፡ ምስ ከቢድ ፈተና ሰሊጡኒ—”

“ከቢድ ፈተና፧” ክትሕብረኒ መታን ነታ ዘረባ ደገምኲላ።

“እወ! ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ’ዩ፡ እቲ መንገዲ ልክዕ ከምታ ቀዳመይቲ ኮይና፡ ድኻማን ዝወሰደትልና ግዜን ሓደ’ዩ፡ ካብታ ቀዳመይቲ ፍልይ ትብል ግና፡ ህይወት ሰብ ወሲዳትልና’ያ—”

“እዋእ! ህይወት ወሲዳትልና ማለት፧” ንዘረብኣ ኮለፍክዎ።

“እወ! ኣብቲ ንቱርክን ግሪኽ ዝፈሊ ሩባ እናሰገርና ከለና፡ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ውሕጂ ወሲድዎ፡ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብምዃኑ ነዚ ታሪኽ ዘይፈልጥ ሰብ የለን፡ ነዚ መንእሰይ ግዳይ ድሕሪ ምግባርና፡ ሰሊጡና ናብ ርእሲ ከተማ ግሪኽ ኣቴንስ ኣቲና፡ ኣብዚ ምእታውና እቲ ዝዓበየ ብምዃኑ እፎይ በልና። ኣብዛ ከተማ ምእታው ማለት ድማ፡ ናብ ኲሉ ኤውሮጳ ምእታው’ዩ ኢልና ደምደምና፡ እዚ ከም ዓቢ ዕድል ኢና ኮጺርናዮ፡ ናብ’ቲ ዝደለናዮ ሃገር ናይ ኤውሮጳ ብቀሊሉ ክንኣቱ ከምንኽእል ድማ ደምደምና፡ እዚ ግና ሕልሚ’ዩ፡ ኣብ ቀትሪ ሓሊምካ፡ ብለይቲ ዝፍታሕ ሕልሚ፡ ምኽንያቱ እቲ ቀሊል ዝበልናዮ እምብዛ ከቢድ ኮይኑ ጸኒሑ። ከቢድ እንተበሉኻ’ኸ፧”

“ከመይ፧” ሕጂ’ውን ጸገም ምምጽኣ ተገረምኲ።

“ደቒ ሰባት ልክዕ ሓበሬታ ኣይህቡዃን እዮም፡ ኣቐዲሞም ሰባት ዝነገሩኒ፡ ናብ ኣቴንስ እንተኣቲዃ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ብምዃና፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብባቡር ወይ’ውን ብኣየር ብዘይ ዝኾነ ጸገም ናብ ካልኦት ሃገራት ከምትሰግር’ዩም ዝነግሩኻ። ኣብዚ ቦታ ስም በጻሕኲ ግና፡ ካልእ’ዩ ጸኒሑኒ። ብባቡር’ሞ ዘይሕሰብ እንድዩ፡ ብኣየር ክትሰግር ግና ብዙሕ ነገራት ክትሰግር ኣለካ፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣየር ሕጋዊ ወረቀት ኣርእይኻ ኢኻ ትስቀል፡ እዚ ድማ ዘይክኣል ነገር’ዩ፡ ምኽንያቱ ንሕና ዘይሕጋውያን ሰባት ኢና—”

“ከመይ ገይሩ ድኣ ብዙሕ ሰብ ይሰግር፧” መብርሂ ደለዂ።

“እታ ዝዓበየት ነጥቢ ኣብዚኣ’ያ ዘላ፡ ከምቲ ሰብ ዝብሎ ዘይኮነ፡ ብሰለስተ መንገድታት ኢኻ ትሓልፍ፡ ብእግሪ፡ ብተመሳሳሊ ፓስፖርት፡ ብዘይሕጋዊ ዝተመስርሐ ቪዛ፡ ካብዚ ወጻእ ስቕ ኢልካ ትወጾ መንገዲ የለን፡ ነዚ ድማ ዋጋ ኣለዎ—”

“እስከ ኣብርህለይ፡ እተን ሰለስተ መንገድታት ዝበልክየን፧” ንዕላላ ኮሊፈ ተወከስክዋ።

“ብእግሪ ዝበልኩኻ፡ ካብ ግሪኽ ተበጊስካ ብተርታ ወይ ልክዕ’ኳ ዝፈልጦ ተዘይኮንኲ፡ ግና መጀመርታ ናብ መቖደንያ፡ ሰርብያ፡ ኲሬሽያ፡ ቦዝንያ ወዘተ እናቖረጽካ ናብ ኢታሊ ኢኻ ትኣትው፡ እዚ ብእግሪ ኾይኑ ከቢድን ምስ ደቒ ኣንስትዮ ዘይከይድን’ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤውሮጳ ፓስፖርት ሒዝካ ብኣየር ፖርት ትፍትን፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝተሰንዐ ቪዛ ትፍትን፡ ሰብ ብኸምዚ’ዩ ዝፍትን፡ እዚ’ውን ካብ 3500 ዩሮ ክሳብ 5000 ዮሮ እዩ ዝኽፈል። እቲ ሓቂ እዚ’ዩ ሰብ ስቕ ኢሉ ዘይከውን ሓበሬታ ዝህበካ። ብዝኾነ ኣሕዋተይ ክኸፍሉለይ ሓቲተ፡ ኣይንኸፍልን ኢና፡ እታ ዝደለኽያ ኤውሮጳ ኣቲኽያ ኢኺ፡ ኣብ ግሪክ ኢድኪ ሃቢ ኣይንኸፍልን ኢና ስለ ዝበሉኒ፡ ገንዘብ ክረክብ ኣይክኣልኲን፡ ገዛ ክራይ ብሓባር ተኻሪኻ ኢኻ ትቕመጥ፡ ንመግቢ ዝኸውን ወጻኢታ ኣለካ፡ እዚ ኹሉ ተደሚሩ ተስፋ’ዩ ዘቑርጸካ። ምኽኣሉ ስኢነዮ ናብ ዘብሎ’ዩ ጠፊኡኒ፡ ነታ ናይ ገዛ ክራየይን መግብን ተማዊቶም’ኳ ይሰዱለይ እንተነበሩ። ካብ ግሪኽ ንምውጻእ ዓቕሚ ስለ ዝሓጸረኒ፡ ናብ ዘብሎ’ዩ ጠፊኡኒ፡ ተስፋይ ተጸንቒቑ ድማ ዓቕለይ ክፍትነኒ ጀሚሩ፡ ኣብ ግሪኽ ኢደይ ከይህብ ድማ፡ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ዕድል የለን። ከይፈተዂ ድማ ነዊሕ ተቐመጥኲ። ግዜ ቖጺሩ ተስፋይ ተጸንቐቐ፡ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብዘይ ፍረ ክሰግር ጀመርኲ። ካብ ኣሕዋተይ ተስፋ የለን፡ ካብ ኲሉ ተስፋ የለን፡ ተስፋ ንርእሳ ካባይ ክትሃድም ጀሚራ፡ ኩሉ ተጸንቒቑ ተስፋይ ኣላሽ ምስ በለ’የ ድማ፡ ናብታ ሓደገኛ ዕለት ኣብ ህይወተይ ዝበልዂኻ 17 መስከረም 2019 ብዘይ ምርጫይ ደበኽ ዝበልኲ። እወ ናብታ ሓደገኛ ዕለት ደበኽ ዝበልኲ፡ እዛ ዕለት ብፍጹም ኣብ ህይወተይ ትርሳዕ ዕለት ኣይኮነት—” ሕጂ’ውን ዝርንዛሕ ንብዓት ፈነወት። ነታ ዕለት ምስ ዘከረት፡ ንብዓት’ዩ ዝቅድማ፡ ኣብዛ ዕለት ዘሎ ሚስጥር ክፈልጥ ተሃንጠዂ።

“ሚስጥር እዛ ዕለት’ባ ንገርኒ፧” እታ ዝያዳ ዝተሃንጠዂላ ንምፍላጥ፡ ገለ ክትብለኒ ምስ ንብዓታ ተጸበኽዋ።

 

ይቕጽል. . .

ራብዓይን መወዳእታን ክፋል ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com