Thursday , April 25 2024

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርር ዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታ ዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ።

“ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡” ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ ዛንታ ክሰምዕ ተጸበኹ።

ህንጥዩነተይ ዝየዳ በረኸ፡ ኣብታ ዝጠቐሰታ ዕለት እንታይ ከምዘጋጠማ ክፈልጥ ተሃንጠኹ፡ ከም ግምተይ ግና ክብድ ዝበለን ኣሰካፍ ጸገም ከምዘጋጠማ በርሃለይ፡ “በሊ ብዛዕባ’ታ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዘጋጠመት ፍጻሜ ኣዕልለኒ፧” ነዛ ሕቶ ብምሕታት፡ ነቲ መሳጢ ዕላላ ንምስማዕ ተረበጽኩ።

“ቅድሚ እዛ ተካል መዓልቲ ዘጋጠመኒ ፍጻሜ ምዕላለይ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነብረ ዕላል ከዕልለካ፡ ምኽንያቱ እዛ ጠንቓም ዕለት መዘዛ ብዙሕ’ዩ” ነቲ ክሳብ ምእታው ሃገረ ቱርኪ በጺሑ ናብ ዝነበረ ዕላላ መለሰትኒ።

“ሐራይ ቐጽሊ!” ዕድል ከፈትኲላ።

“ናብ ሃገረ ቱርኪ ምስ ኣተዂ፡ ሓደ ኣማንኤል(ናይ ብርዒ ስሙ’ዩ) እዩ ተቐቢሉ ብቐጥታ ናብ ገዛኡ ኣምሪሑኒ፡ ኣብ ሃገረ ቱርኪ ዘለዉ ደላሎ ነናቶም ገዛ ኣለዎም፡ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝመጹ ሰባት ኣብ ገዝኦም እዮም ዝእክብዎም፡ ኣብታ ዝኣተኽዋ ገዛ ከባቢ ዓሰርተ ዝኾነ ሰባት’ዮም ጸኒሖምኒ፡ ኩሎም ክሰግሩ ዝተኣከቡ’ዮም፡ ገና ኣብታ ገዛ እግረይ ኣንቢረ ከየዕረፍኲ ከለኹ፡ ነዛ ነብሰይ’ኳ ክሕጸብ ዕድል ክርይሃበ፡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ብምምጻእ ኣዕሚቑ ሰላምታ ብምልጋስ፡ ንብሕተይ ከዘራርበኒ ጀመረ፡ ካብ ዘረብኡ መን ምዃኑ ክፈልጥ ግዜ ኣይወሰድኲን—”

“መን ድዩ፧” ነታ ዝነበረት ሓጻር ናይ ዕረፍቲ ግዜ ተጠቒመ፡ መንነት ናይቲ ሰብ ክፈልጥ ተሃንጠዂ።

“እቲ መጀመርታ ዝተቀበለኒ ተልኣኣኺ’ዩ ነይሩ፡ እዚ ሕጂ ዝረኸበኒ ግና ቀንዲ ደላላይ’ዩ። ንብሕተይ ምስ ፈለየኒ ድማ፡ ‘ሕሳብ ቅልጥፍ ኢልኪ ኣውርዲ’ ትብል ሓጻር ዘረባ ጥራይ’ዩ ተዛሪቡኒ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝነገርኲኻ፡ ንኣሕዋተይ ከይነገርኩ እየ ብሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ቱርኪ ንምእታው ጥራይ ተሰማሚዐ መጽኤ። እዛ ዘረባ ተዛሪቡኒ ምስ ከደ ብቐጥታ ናብ ኣሕዋተይ’የ ደዊለ። ኣሕዋተይ ነዚ ምስ ሰምዑ ዝብልዎን ዝገብርዎን’ዩ ጠፊእዎም፡ ብሕርቓን ጥራይ ዳርጋ ክልተ ወርሒ ከይደወሉለይ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ስጋ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትትንስእ’ ኮይኑ ነገሩ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ከፊለሙለይ። እዚ ግና ንቱርኪ ናይ ዝኣተኽዎ’ዩ፡ ተወሳኺ ዕዳ’ውን እግሪ እግሩ’ዩ ስዒቡ—”

“ናይ ምንታይ ዕዳ ድኣ፧” ስንብድ ኢለ ተወከስክዋ።

“ካብ ቱርኪ ንግሪኽ ድማ ኣሎ፡ ምኽንያቲ ቀንዲ ዕላማይ ዝኸፈልካ ከፊልካ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው’ዩ። ነዚ ድማ ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዶላር ይሓተካ። እዚ ክፍሊት ነሕዋተይ ምስ ነገርክዎም ክጽለሉ እዮም ደልዮም፡ ግና ዝግበር ኣይነበረን ምስ ናይ መወዳእታ መጠንቐቕታ እዚ’ውን ከምዝሓለፈ ተኸፊሉለይ፡ ነቲ ብዕላል ቀሊል ምዃኑ ዝሰማዕክዎ መንገዲ ግሪኽ ንምጅማር ተዳለው ኮይኑ፡ ሓንቲ ቓል ክደግመልካ ኣፍቕደለይ፡ ‘ነቲ ብዕላል ቀሊል ምዃኑ ዝሰማዕክዎ መንገዲ ግሪኽ’ እየ ኢለካ—”

“እንታይ ድኣ ነዛ ቓል ሓዛ ኢልክኒ፧” ገለ ክትብለኒ ከምዝደለየት ገመትኲ።

“ጌና ክደግመልካ’የ! ብዙሓት ሰባት ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ቀሊል መንገዲ እዩ እዮም ዝብሉኻ፡ እቲ ዝጋጠመ በል ክነግረካ፡ እቶም ደላሎ ሰባት ክእክቡ ዳርጋ ወርሒ’ዮም ኮፍ ኣቢሎሙና፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣቐዲመ ኮፍ ኢለዮ ዝነበርኲ ተደሚሩ፡ ዳርጋ ኣብ ሳልሳይ ወርሐይ’የ ናብ ግሪኽ ተበገሱ ተባሂልና። ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ኢና ካብ ከተማ ኢስታንፑል ተበጊስና፡ እዚ ኣብ ሓንቲ ሚኒባስ መኪና ኮይና፡ ዳርጋ ኣርብዓ ሰባት ተጸቓቒጥና ኢና ኮፍ ኢልና። እታ ሚኒባስ፡ መታን ብዙሓት ሰባት ክትሕዝ እቲ ኮፍ መበሊ ወንበር ተለቒቑ ነጻ’ዩ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት’ያ ብዙሓት ሰባት ሒዛ ነይራ። ካብ ኢስታንቡል ንምዕራብ ዲኻ ትኸይድ ወይ’ውን ንምብራቕ ትፈልጦ ነገረ የለን፡ ስቕ ኢልካ ኢኻ ትኸይድ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓት በታ ሚኒባስ ምስ ከድና፡ ኣብ ሓደ ጸላም በረኻ እዮም ኣውሪዶሙና፡ ካብዚ’ዩ ድማ ዝጅምር እቲ ካልኦት ቀሊል ዝብልዎ መንገዲ—”

“ከመይ፧” ክብርብራ ፈተንኲ።

“ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሽት ብእግርና ጉዕዞ ምስ ጀመርና፡ ዳርጋ ብዘይ ዕረፍቲ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ፡ ነዊሕ መገዲ ብዘይ ዕረፍቲ ኢና ተጓዒዝና፡ ኣብዚ ዝበልኲኻ ሰዓት ግና፡ ኣብ ሓደ ጫካ ኮፍ ክንብልን ንኣስታት ፍርቒ ሰዓት ከነዕርፍን ተሓበረና። እዚ ግና ከነዕርፍ ከይመስለካ፡ እግሪ እግርና እትስዕብ ካልእ ጉጅለ ነይራ፡ ንዕኣ ንምጽባይ ኢና ኮፍ ኢልና፡ ዓሰርተ ደቒቕ ከማን ኣይተጸበናን፡ ሓንቲ ልክዕ ቁጽሪ ናትና ማለት ኣርብዓ ሰባት ዝሓዘት ጉጅለ ተሓወሰትና—”

“ክንደይ በጺሕኩም ማለት’ዩ፧” ቁጽሮም ክግምት ፈተንኲ።

“ሰማንያ ሰባት ኮይና፡ ልክዕ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ድማ፡ ጸላም ተጎልቢብና ጉዕዞና ጀመርና፡ እቲ መንገዲ ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ እናወሰኸ ዝኸይድ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓካ፡ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ወጋሕታ ብዘይ ዕረፍቲ ድሕሪ ምጉዓዝ ግና፡ ሓደ ዘሰንብድ ትርእይቲ ጎፍ በለና—” ዘረብኣ ኮሊፋ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።

“እንታይ ድኣ ተረኺቡ ጓለይ፧”

“ከም ስርዓት ዝውንጨፍ ሩባ እዩ፡ ንውሓቱ ብዓይንኻ ርኢኻ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ ጎኑ ግና ከባቢ 100 ሜትሮ እዩ ዝበጽሕ። ዝያዳ ብሩህ ክኾነልካ ቱርክን ግሪኽን ብመሬት ብሩባ እየን ዝፈላለያ፡ ብባሕሪ’ውን ይፈላለያ እየን። እዚ ብመሬት ንኽልቲኤን ዝፈሊ ሩባ’ዩ እምብኣር ጎፍ ንጎፍ ዝረኸበና። እቶም ኣሰጋገርቲ ገዚፍ ነገር ይስከሙ እዮም፡ እዚ ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ኢና ፈሊጥናዮ፡ ዝንፋሕ ጃልባ’ዩ። ኣብቲ ሩባ ምስ በጻሕና ነተን ጃላቡ ብገመድ እናኣሰሩ፡ ናብቲ ናይ ግሪኽ ቦታ ኣስጊረሙና፡ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረኒ ፍርሒ ክነግረካ ኣይክእልን’የ፡ ልበይ ጠልጠል’ያ ኢላ፡ ግና ከምዘይስገር የለን፡ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ወጋሕታ ሰጊርናዮ። ኣብቲ ጫካ ተሓቢእና ድማ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ተሓቢእና ውዒልና፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝሃረመ ማይ ክነግረካ ኣይክእልን’የ፡ ኲሉ ክዳውንትና ጀምጂቡ ዓቕልና’ዩ ኣወዲእና፡ በቓ ንገብሮ’ዩ ጠፊኡና። እዛ መሬት ክትመስይ ከነጻልት ኢና ውዒልና፡ ንርእሳ ክትብል ድማ ጸልሚታ—”

“ካልኣይ መዓልትዂም ዲኹም፧”
“እወ! ሙልእ ለይቲ ኣብ መንገዲ መሬት ኣውጊሕናዮ፡ ነታ ሩባ ምስ ሰገርና ድማ ክሳብ ዝጽልምት ኣብ በረኻ ተሓቢእና ውዒልና።”

“መግቢ’ኸ፧”

“ሓንቲ ንእሽተይ ቦርሳ ኢኻ ትሕዝ፡ መግብን ሓንቲ ቕያር ክዳንን ኢኻ ትሕዘላ፡ ካልኣይ ካብቶም ሰማንያ ሰባት ኤርትራውያን፡ ሶማላውያን፡ ሶርያን፡ ግብጽን፡ ኣፍጋናውያን ኢና ነይርና። ምሸት ምስ ኮነ፡ ንኻልኣይ መዓልትና ምሉእ ምሸት ተጓዒዝና ወጋሕታ ናብ ሓደ ቢንቶ በጺሕና፡ እግርና ብድኻም ምእዛዝ’ዩ ኣብዩና፡ ኣብታ ቢንቶ ኮፍ ምስ በልና ብድኻም ተሰኒፍና፡ ንገብሮ’ዩ ጠፊእና። ዳርጋ ሓደ ሰዓት ተረጋጊእና የዕሪፍና፡ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ምስ ኮነ ግና፡ ሓንቲ ዓባይ በጣሕ መጺኣ ኣብ ጥቓና ደው ኢላ፡ እዛ በጣሕ ከምዚ ኮንቴነር ዘለዋ’ያ፡ ኩላትና ድማ ኣብቲ ኮንቴነር ክንስቀል ተነጊሩና፡ ተጸቓቒጥና ምስ ተሰቐልና ድማ እታ በጣሕ ብሰላሕታ ጉዕዙኣ ጀመረት፡ ኩሉ ሰብ ድማ እፎይ በለ፡ ነቲ ኣብ ድኻም ዝውዓለ ነብሲ ንምርግጋእ ጸጥ በለ፡ ነቲ ሰለም ከየበለ ዝሓደረ ዓይኒ፡ ንእሽተይ ዕረፍቲ ንምርካብ ሰም ከብለን ጀመረ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ድማ ኩሉ ነገር ጸጥ በለ። ኣብ መንጎ ሃንደበት ናይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣውያት፡ ነቲ እፎይ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ኣበራበሮ፡ ኩሉ ሰብ ነቕሐ፡ እቲ ኮንቴነር ብዝፈጠሮ ጸቕጢ እታ ጓል ሃለዋታ ከምዘጥፍአት ተነገረና፡ ኤርትራዊት’ያ። ሰብ ተጨነቐ፡ ምኽንያቱ ድምጺ ናይ ኩላትና ናብ ደገ ከይወጽእ’ሞ ከይንትሓዝ ፈራሕና፡ ብዝኾነ ንሕና ሕማቓት ኢና፡ ነዛ ንእስነትና ኣይንርእን፡ ምኽንያቱ ኤውሮፓ ክንበጽሕ ንህይወትና ግዳይ እናኾነት ስቕ ኢልና ንርእያ፡ መታን ከይንትሓዝ ክንብል፡ ዓቅልና ጸቢብና ከሎ ስቅ መሪጽና፡ ሕጽረት ትንፋስ ገይርና ከለና፡ ‘ጥራይ ንእቶ’ ዝብል ኒሕ ሒዙና። ሰብ እናወደቀ ኣስቒጥና፡ ቀሪብኩም ዝብል ኣጉል ተስፋ ወሓዘ፡ ነዛ ዘይትትካእ ህይወትናን ካልእ ዓቢ መጻኣን ከለና፡ ንህይወትና ቀቢጽና ስቕ መሪጽና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሕብሪ ገጽና ተቀያይሩ፡ ኩላትና ኣውያት ዶርጋሕናዮ፡ ምስ ኣውያትና ተደሚሩ ዝያዳ ዓቕልና ጸበበና፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክወድቕ ጀመረ፡ ኣነ’ውን ክጽልምተኒ ከሎ ይርድኣኒ ነበረ፡ ጽባሕ ብዙሕ ነገር እንሰርሕ መንእሰያት ከለና፡ ነዛ ህይወትና ብዘይጠቕም ነጥፍኣ፡ ክቕጽለልካ ግዳ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣውያት ክድርጉሖ ምስ ጀመረ ሃለዋተይ ኣጥፋእኲ፡ ካብዚ ስዒቡ ዝኸፍአ’ዩ ስዒቡ፡ እዋይ—” ዳግማይ ንብዓት ጸረር ኣበለት፡ ዝኸፍኣ ከምዝስዓበ ተረድኣኒ።

 

ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት ይቅጽል!

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com