Saturday , April 20 2024
Foto: Janerik Henriksson/TT Kod: 10010

ነፋሪት ሩስያ ን ክሊ ኣየር ሽወደን ድሕሪ ምግሃሳ ዲፕሎማት ሩስያ መጸዋዕታ ክግበረሉ እዩ ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ነፋሪት ሩስያ ን ክሊ ኣየር ሽወደን ድሕሪ ምግሃሳ፡ መንግስቲ ሽወደን ንሩስያዊ ዲፕሎማት ናብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ጻውዒት ክገብረሉ ምዃኑ ሚኒስተራት ሽወደን ገሊጾም። እዛ AN-30 ዝዓይነታ፡ ኣብ ዘመን ሕብረት-ሶቪዬት ዝፈረየት ነፋሪት ስለያን ኮለላን ሩስያ፡ ብ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ሽወደን ድሕሪ ምቚራጻ ካብቲ ቦታ ብቕጽበት ክትለቅቕ ትእዛዝ ከም እተዋህባ ሰራዊት ሽወደን ገሊጹ እዩ። እዛ ነፋሪት ሩስያ፡ ንክሊ ኣየር ሽወደን ቅድሚ ምግሃሳ፡ ብባሕሪ ባልቲክ ደሴት ቦርንሆም ኣቢላ፡ ንክሊ ኣየር ዴንማርክ እውን ምጥሓሳ፡ ዴንማርክ ከሲሳ ምህላዋ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com