Thursday , April 25 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ነፍሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ዝንባለ ንዘለዎም ኮተቴ ዝግበር ምክትታል ኣዂል ኣይኮነን ተባሂሉ።

ነፍሰ ቕትለት ኣብ ዝፍጽሙ ቆልዑን መንእሰያትን ዝግበር ገምጋም-ሓደጋ እዂል ኮይኑ ከም ዘይተረኽበ ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንኸምዚ ዝብሉ ጒዳያት ኣመልኪቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ጸብጻባዊ ገምጋም ድሕሪ ምቕራቡ እዩ። እቲ ጸብጻብ ንሓንቲ ኣብ 16 ዕድሜኣ ነፍሰ ቕትለት ዝፈጸመት ኮተቴ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም "እቶም ሓካይም ስነኣእምሮ ኣብ ክንዲ ዝግባእ ግዜን ክንክንን ሂቦም ዝሰምዕዋ ከፋንዉዋ ጥራይ እዮም ዝደልዩ ኔሮም" ክብል ንወላዲኣ ብምጥቃስ ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com