Thursday , March 28 2024
Bild: Fredrik Sandberg/TT

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምቅዋም ኣብ 8 ከተማታት ሽወደን ሰልፊ ተጌሩ።

ቀዳም 18 ግንቦት ሰዓት 1 ድሕሪ ቐትሪ “Bensinupproret 2.0” ዝተባህለ ናይ ፈለማይ ናይ ፌይስቡክ ጒጅለ ንናህሪ ዋጋ ነዳዲ ብምቅዋም ምጒዳል ክግበር ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር Stephane Leuven ነቲ ሰልፊ ከም ዝርድኦ ብምጥቃስ እቲ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ምስ ቀረጽ ዘራኽብ የብሉን ኢሉ’ሎ። “ኣነ ንባዕለይ ዕባይ ገጠር እየ። ኣድላይነት መኪና ኸኣ ብግቡእ እርዳእ እየ። ግና ምውሳኽ ቀረጽ ነዳዲ ምስ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተኣሳሰር ከም ዘይኮነ ከረጋግጸልኩም እደሊ” ኢሉ።

ማልምን ዮተበሪን ዝርከባአን 8 ከተማታት ብሓፈሻ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ በዚ ጒጅለ ተመሪሑ ሰልፊ ወጽዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com