Friday , April 26 2024
Foto: Andreas Hillergren/TT

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ፍቓድ ንዝሓተቱ ፖሊስ ፍቓድ ምሃብ ኣብዩ።

እዞም ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ኣብ ከተማታት ሽወደን ሰልፊ ክገብሩ ፍቓድ ንዝሓተቱ ጒጅለ ዓርቢ ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፖሊስ ፍቓድ ስለዝኸልእዎ ክፍጽሞ ዘይምኽኣሉ ገሊጹ’ሎ።

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሽወደን Bensinupproret 2.0 ዝበሃል ናይ ተቓውሞ ጒጅለ ምፍጣሩ ይፍለጥ።

እዚኣቶም ከምቶም ሰብ ብጫ ጃኬት ተባሂሎም ዝጽውዑን ኣብ ፈረንሳይ 20 ሽሕ ሰብ ኣብ ጐደና ዘሰለፉን ጒጅለ ምዃኑ ይዝረበሉ።

መስራቲ ናይዚ ምንቅስቓስ Jean Berglund እዚ ሕቶ ሰልፊ ብኣብያ፡ፖሊስ ምሕዛኑ እንተኾነ በዚ ተዓንቂፉ ከም ዘይተርፍን ንዝመጽእ ዓርቢ ከካይዶ ሕቶኡ ከሐድስ ምዃኑን ገሊጹ’ሎ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ከተማታት Göteborg, Falun, Karlskrona, Västerås, Malmö Sundsvall, Örebro, Växjö Jönköping, Stockholm, Helsingborg. Östersund እዩ ክካየድ ተሓሲቡ ኔሩ ክብል ጋዜጣ “Aftonbladt” ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com