Thursday , April 25 2024
This image provided by NASA, Wednesday, Jan. 30, 2008, shows shows the historic first look at the previously unseen side of Mercury taken by the MESSENGER spacecraft. This image, taken by the Wide Angle Camera (WAC) of the Mercury Dual Imaging System (MDIS), shows a closer view of much of that territory. Just above and to the left of center of this image is a small crater with a pronounced set of bright rays extending across Mercury's surface away from the crater. Bright rays are commonly made in a crater-forming explosion when an asteroid strikes the surface of an airless body like the Moon or Mercury. But rays fade with time as tiny meteoroids and particles from the solar wind strike the surface and darken the rays. The prominence of these rays implies that the small crater at the center of the ray pattern formed comparatively recently. (AP Photo/NASA/Johns Hopkins University Applied Physics Laboratory/Carnegie Institution of Washington )

ናሳ: ዓርሞሸሽ ጠፈራዊ እምኒ (ኣስትሮይድ) ጥቕ ምድሪ ክሓልፍ እዩ

ዝመጽእ 21 መጋቢት ዛጊት ዝዓበየ ምዃኑ እተነግረሉ ጠፈር እምኒ (ኣስትሮይድ) ካብ ምድሪ 2 ሚልዮን ኪሎሜትር ጥራይ ተፈንቲቱ ከም ዝሓልፍ ሃገራዊ ምምሕዳር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ኣፍሊጡ።

ተመራመርቲ ካብቲ ንቡር ቅርብ ዝበለ ትዕዝብቲ ንኽወስዱ ከም ዘፍቅድ እውን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ 2001FO32 ዝተሰምየ እምኒ ጠፈር ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝተረኽበ ኮይኑ 915 ሜትሮ ቁመት ከም ዘለዎ ተፈሊጡ።

እዚ ኣስትሮይድ ኣብ ጸሓይ ዝዖደሉ ዛቢያ ኣጸቢቕና ኢና ንፈልጦ ክብል ኣብ ናሳ ዳይረክተር መጽናዕቲ ቀረባ ጠፈራዊ ኣካላት ፖል ኮዳስ ሓቢሩ። “እዚ ኣስትሮይድ ንምድሪ ካብ 1.25 ሚልዮን ኪሎሚትር ንላዕሊ ክቐርብ ዘይሕሰብ እዩ” ድማ ኢሉ። ካብ ካልኦት ኣስትሮይዳት ብዝቐልጠፈ ብ 77ሽሕ ሜትሮ ኣብ ሰዓት ይውንጨፍ ምህላዉ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

“ዛጊት ብዛዕባዚ ኣስትሮይድ ዘሎና ኣፍልጦ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። በዚ ድማዩ ብቕርበት ንኸጽንዕዎ ንጠፈርተኛታት ፍቓድ ሂብና ዘሎና” ክብል ኣብ ናሳ ዳይረክተር ምውንጫፍ ጄታት ላንስ ቤነር ገሊጹሎ።

ጠፈርተኛታት ኣብ ኣካላት እዚ ኣስትሮይድ ዘሎ ናይ ብርሃን ጸርጊታት ብምጽናዕ ንባህሪኡን ትሕዝቶኡን ከጽንዑ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ኣስትሮይድ ብደቡባዊ ሰማያት እንክጐዓዝ ደሚቕ ሕብሪ ክህልዎ እዩ ይብል ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com