Friday , April 19 2024

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ተሓቢሩ

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ፡ ንዜጋታት ዓዲ ጣልያን ውን ዝምልከት ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ምሕባሩ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ክንደይ ግዜ ክጸንሕ ምዃኑ ግን ኣይተፈልጠን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጣልያን፡ ሮቤርቶ ስፔራንዛ፡ ገሊጹ።

ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ናብ ሃገረ ጣልያን ዝበጽሑ ገያሾ፡ ቅድሚ ምብጋሶም፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ከርእዩን ናብ ዓዲ ጣልያን ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሻባ፡ ካልኣይ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ከርእዩ ዝግድድ እዩ።

ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ንሃገረ ጣልያን፡ ብኸቢድ ኣጥቂዕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ኣብ እዋን ፋሲካ፡ መብዛሕትኡ ክፋል’ታ ሃገር ዕጽዋ ክካየደሉ ምዃኑ፡ መንግስቲ፡ ኣፍሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com