Tuesday , April 23 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ናብ ስዊድን ንምምጻእ ብዙሓት ግዳያት ይኾኑ ኣለው::

ኣብ ዓመተ 2017 ጥራሕ 444 ሰባት ግዳያት መሸጣ ደቂ ሰባት ከምዝኾኑ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣፍሊጡ::
ሐደ ካብ ሰለስተ ከዝገለጽዎ ናብ ስዊድን ክመጹ ከለዉ እቲ ሽግር ከምዝገጠሞም ገሊጾም::
እቲ ዝበጽሖም በደላት ስርቂ ኣካል ወዲሰብን: ግዱድ ምንዝርናን ብኣስገዳድ ምስራሕን ከምዘጣቃልል ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ሓቢሩ::

ብተዛማዲ ዜና ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ስዊድን ሓላፊት ጎዳያት ገበንመሸጣ ደቂ ሰባት ዝኾነት ካይሳ ዋህልበርግ ከምዝበለቶ ብዝሒ ናብ

ፖሊስ ዝተመልከቱ ጉዳያት መሸጣ ደቂሰባት ኣዝዩም  ከምዝወሰኹን ጠንቂ ናይዚ ድማ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ዘቅረቦም ጥርዓናት ምኻኑ ገሊጻ::


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com