Friday , April 26 2024
Credit: Samuel Skoog, Sveriges Radio.

ናብ ቀጥታዊ ኣግልግሎት ጥዕና ሽወደን (Vårdguiden) እተግበሩ ጻውዒታት ኣብ ክፉት መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ብቐጥታ ክፍነዉ ምጽንሖም ተፈሊጡ።

ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ናብ ቀጥታዊ ኣግልግሎት ጥዕና ሽወደን (Vårdguiden) እተግበሩ ጻውዒታት እብ ክፉት መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ብቐጥታ ክፍነዉ ምጽንሖም ተፈሊጡ።

ሬድዮ ሽወደን ምስ Lars Dabos ጋዜጠኛ መጽሄት ኮምፕዩተር ሽወደን ቃለ መጠይቕ ጌራ ኔራ።

ብዛዕባዚ ጽንጽንታ ምስ ሰምዐ ናብ ህዝቢ ቃልዕ ዝገበሮ ንሱ እዩ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብመሰረት ሕጊ ሰብመዚ ጥዕና እቶም ጻውዒታት ብድምጺ ክቕረጹ ፍቑድ እዩ፥ እንተኾነ ግና እቲ ነዚ ውዕል ዝፈጸመ ናይ ኣይቲ ኩባንያ እቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ወሃብ ኣገልግሎት ብቐጥታ ዝፍኖ ምዃኑ ይፈልጡ ኣይነበሩን።

ካብ 170 ሽሕ ሰዓታት ንላዕሊ ኣብ ዝተገብሩ ርክባት ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ጻውዒታት ከም እተገብሩ’ውን ተመዝጊቡ’ሎ።

እዚ ገዚፍ ሳዕቤናት ከምጽእ ከም ዝኽእል ይንገረሉ’ሎ።

ድሮኳ ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነት ስም ሓተትቲ ኣገልግሎት ይብረዝ ምህላዉ ጠቒሱ’ሎ።

ኣብ ስቶክሆልም ሓላፊ ኤለክትሮኒካዊ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንወኪል ዜና ቲቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ንኪኢላ ኣይቲ ክኸስዎ ከም ዝኽእሉ ኣተንቢሁ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com