Friday , April 19 2024
(AP Photo/Nasser Nasser)

ናብ ትግራይ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ሓገዝ ቀይሕ መስቀል ኣትዩ

ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንመጀመርታ እዋን ሕክምናዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምእታዉ ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ገሊጹ። እዚ ዓብዪን ተስፋ ዝህብን ምዕባለ እዩ ክብል ኣወሃሃዲ እቲ ኮሚተ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

እዘን ኣገደስቲ ኣፋውስ ዝጸዓና ነፈርቲ፡ ሎሚ ረቡዕ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ መቐለ፡ ምእታወንን ተወሰኽቲ ሓገዛት ብኣየርን ጽርግያን ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት ክኣቱ ምዃኑን እቲ ኮሚተ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ትግራይ ብሰንኪቲ መበል 15 ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናትን ዕጽዋን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም እትርከብ ጸብጻባት የመልክቱ። ብፍላይ ድማ ሓካይም ብሰንኪ ሕጽረት ናውቲ ሕክምና ጓንቲን ናይ መጥባሕቲ ባእታታትን ሓጺቦም ክጥቀሙ ተገዲዶም ምጽንሖም ካብ ትግራይ ዝወጹ ሓበሬታታት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com