Saturday , April 20 2024
Matt Slocum/TT

ናብ ገዛውቲ ክሊንቶንን ኦባማን ዝቐንዐ ተተኳሲ

ኣብቲ ናብ ባራክ ኦባማን ናብ እንዳ ክሊንቶንን እተላእከ ፖስታ፡ ተተኳሲ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ተመሳሳሊ ተተኳሲታት ናብቶም ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ኣመሪካ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባትውን ተላኢኹ ኣሎ።

እቲ ፖስታታት ናብ እንዳ ክሊንቶንን፡ ኣብ ኒዩሮርክ፡ እንዳ ኦባማን፡ ኣብ ዋሺንግቶን፡ ከይበጽሐ ከሎ ደው ከም ዚብል ተገይሩ።

– ሳላቶም ናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ምንም ኣይኮናን፡ ትብል ሂላሪ ክሊንቶን ብመሰረት ሮይተርስ።

ቤትጽሕፈት CNN ከይተረፈ  ኣብ ዒላማ ብምእታዉ፡ እቲ ናቱ ምምሕዳር ዜና ግዒዙ ኣሎ።

ኣብ ፍሮሪዳ እውን ተመሳሳሊ ተተኳሲ ናብ ኣባል ኮንግረስ ደቢ ቫሰርማን ሹልትስን  ናብቲ ሚኒስተር ፍትሒ-ነበር ኤሪክ ሆልደርን ተላኢኹ ነይሩ እዩ።

ኣቐዲሙ እውን ማለት ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ገዛ ናይቲ ኣዚዩ ሃብታም ዝኾነ ጆርጅ ሶሮስ ተመሳሳሊ ተተኳሲ ተላኢኹ እዩ።

ክሊንተንን ኦባማን ሆልደርን ቫሰርማንን ደሞክራሳውያን እዮም።

ጆርጅ ሶሮስ ንሕጹያት ሰልፊ ደሞክራሲ ብዙሕ ገንዘብ ዝሃበ ሰብ እዩ።

ናይ ኒዩሮርድ ጸጥታ ብዕቱብ መገዲ ይሕሎ ኣሎ።

እዚ ንመራኸቢ ብዙሃን ንምፍርራህ እተገብረ ፈተነ ግብረሽበራ እዩ፡ ይብል ናይ ኒዩዮርክ ከንቲባ ደ ብላሲዮ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com