Tuesday , April 23 2024
DRAZEN JORGIC/TT

ናዋስ ሸሪፍ ንሽወዓተ ዓመት ተፈሪዱ።

መራሕ መንግስቲ ፓኪስታን ነበር ናዋስ ሸሪፍ ብምኽንያት ውዒልዎ እተባህለ ብልሽውና ንሽወዓተ ዓመት ተፈሪዱ ክብል መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ፓኪስታን ሓቢረን።

ብዘይካዚ ናይ 10 ሚልዮን ባጤራ ፓኪስታን መቕጻዕቲ እውን ተበኡንዎ’ሎ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ሸሪፍ እተበየነ ፍርዲ እቲ ምዝራቚ ፓናማንያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ዘይምኽፋል ቀረጽ ድሕሪ ምኽሻሑ ዝመጸ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒምራን ኻን ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ጽንዕ ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየን ጻውዒት ምግባሩ ይዝከር።

ሸሪፍን እቲ ኣብ ሰልፉ ብቕድሚት ዝስራዕ ዝነበረ ተካኢኡን እዚ ክሲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ እዩ ብምባል ምሉእ ብምሉእ ነጺግዎ’ሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓል ቤትፍርዲ እታ ሃገር ሸሪፍ ካብ ፖለቲካዊ ንጥፈት ክእገድን ኣፈናዊ መርመራ ንግዲ ስድራቤቱ ክግበርን ውሳኔ ኣሕሊፉ ኔሩ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ኣብ ላንደን ንግዲ ቤተሰቡ ብዝተኣሳሰር ንዓሰርተ ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ ኔሩ። እንተኾነ ግና ድሕሪ ዘቕረቦ ይግባይ እቲ ፍርዲ ንግዚኡ ክድስክል ተጌሩ።

ናዋዝ ሸሪፍ ንሰለስተ ግዜ ብተኸታታሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብምዃን ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ 1993 ብጥርጣረ ብልሽውና ተሰጒጉ። ኣብ 1997 ኣብ ምርጫ ደጊሙ ተዓዊቱ፡

ኣብ 1999 ከኣ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ብ 2007 ናብ ስልጣን ተመሊሱ እንደገና 2013 ስልጣን ስሕሪ ምርካብ ክሳብ ዓሚ ዝግለፍ ኣብ ምምራሕ ጸኒሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com