Thursday , April 25 2024

ናይጀርያ፡ ኣብታ ደቀንስትዮ እተጨውያላ ከተማ፡ ሰዓት እቶ እቶ ይእወጅ

ኣብ ጃንገበ፡ ናይጀርያ፡ ዞባ ዛምፋራ ተጨውየን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተፈትሓ፡ ስዒቡ፡ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም እዚ ስጒምቲ ከም ዝተወስደ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣፈኛ ዞባ ዛምፋራ፡ ኣብታ ዞባ፡ ዝግበር ናይ ዕዳጋ ንጥፈት፡ ናይ ሰዓት ገደብ ክግበረሉ ተወሲኑ ኣሎ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ብዕጡቓት ተጨውየን ዝነበራ 279 ደቀንስትዮ ተፈቲሐን እናትመልሳ ተዂስን ሕንፍሽፍሽን ተኸሲቱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ክስተት ምኽንያት ብምግባር እዩ እዚ እገዳ ሰዓታት ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎ።

መንግስቲ ናይጀርያ፡ ነተን ተጨውየን ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ ሕክምናዊ ረድኤትን ክንክንን ይገብረለን ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ።

መንነት ናይቶም ኣብ እዋን ምቕባል እዘን ደቀንስትዮ ዝሞቱ ሰለስተ ሰባትን ቀታሊኦምን ዛጊት ከም ዘይተፈልጠ ዝገለጸ ኣፈኛ መንግስቲ እቲ ዞባ፡ ሱሌማን ቲናው ኣንካ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ኲነታት “ዘሕዝን ፍጻመ” ኢሉ ምግላጹ ኣልጀዚራ ሓቢራ። እዚ ናይ ዕዳጋ ናይ ግዜ ገደብ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ክጸንዕ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረሲደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪ፡ ናብ ዞባ ዛምፋራ፡ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምውፋር፡ መስርሕ ዕደናን ኣብታ ዞባ ዝግበር በረራ ከምዘቋርጽ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com