Thursday , April 25 2024

ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዲግሪ ኣብ ሽወደን ወሰኽ ኣርእዩ”ሎ ተባሂሉ።

ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዲግሪ ኣብ ሽወደን ክሳብ 100 ሽሕ ክሮነር ከም ዝሓቱ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ካብ ቆንስል ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝተረኽበ ኣሃዝ ቊጽሪ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዩኒቨርሲቲ ወሰኽ ኣርእዩ”ሎ።

ኣብ 2018 ሰማንያን ሰለስተን ከምዚ ዝበለ ጒዳይ ተረኺቡ”ሎ። ዓሚ ዝነበረ ቊጽሪ 13 ጥራይ እዩ ኔሩ።

እቲ ቆንስል ዝተፈላለዩ ካሎኦት ካብ ወጽእ ሃገር ዝመጹ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐታት ከም ዘቃልዐ ብምግላጽ እዞም ሰባት በዚ ናይ ሓሶት ሰርቲፊኬት እናተጠቕሙ ኣብ ሽወደን ስራሕን ላዕለዋይ ትምህርትን ክረኽቡ ምጽንሖም ይገልጽ።

ዕዳጋ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ብኦንላይን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዝርከብ ኮይኑ ዋጋ ሓንቲ ሰርቲፊኬት ክሳብ 10 ሽሕ ክሮነር ከም ዝበዝሕን ሬድዮ ኢኩት ሓቢራ።

“ሽያጦ ብመገዲ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ምሹእ ዕዳጋ ስለዝረኸቡ እዮም ክውስኹ ጸኒሖም” ትብል ሓላፊት ኣብ ላዕላዋይ ትምህርቲ ቆንስል ትምህርትን ስነዳን ሴሲልያ ኦልፍስዶተር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com