Thursday , April 25 2024

ናይ ሕሉፍ የማናዊ AFS ጸሓፊት ሰልፊ ከም ናይ ስደተኛታት ወኪል ኮይና ትሰርሕ  

PolitikTT

ናይ ጥሩፍ የማናዊ AFS ጸሓፊት ሰልፊ ዝኾነ ጀሲካ ኦልሶን ከም ናይ ስደተኛታት ሕጋዊ ወኪል ኮይና ትሰርሕ፡ ን27 በይኖም ዝመጹ ስደተኛታት ድማ ወኪላ። ሕጂ ግን ስርሓ ደው ኸተብል እቶም እተነጽጉ 13 ድማ ጉዳዮም ከም ብሓድሽ ኪረአ ተጠሊቡ።

ብመሰረት  P4 Sörmland ኣብዚ እዋንዚ ኩላቶም መራሕቲ ጉጅለ ስልፍታት ኒሾፒን ኮሙን፡ ንሚግረሽን ንጀሲካ ኦልሶን ከም ወኪል ስደተኛታት ደው ከብላ ይጠልቡ ኣለዉ። ንሳ ኣብ ኒሾፒንግ እያ ዓብያ፡ ኣብ ኣደባባይ ኒሾፒንግ ኮይና ቅድሚ ምርጫ ርእይቶኣ ክትገልጽ ከላ ተቓውሞ ኣጋጢሙዋ።

ጀሲካ ኦልሶን ካብ ናይ ሶሻል ደሞክራተርና ማሕበር መንእሰይ ቅድሚ ክልተ ዓመት እተሰጎገት እያ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣማራጺ ንሽወደን ወይ ኣልተርናቲቭ ፎር ስቨርየ (AFS) ዚብል ምንቅስቓስ ጀሚራ፡ ናይቲ ፓርቲ ጸሓፊት ድማ ኾይና።እቲ ፓርቲ ካልእ ገዲፍካ ካብ 2000 ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ናይ ኩሉ ሓታቲ ዕቝባ ውሳነታት ከም ብሓድሽ ኪረአ ኣለዎ ዚብል ኮይኑ፡ ናይ ናብ ዓድኻ ምምላስ ወይ ምጥራዝ ትካል እውን ከተቕውም ትደሊ።

ንሳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ን 27 ንበይኖም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ መንእሰያት ወኪላ፡ ካባታቶም ድማ 13 ተነጺጎም።

ኣብዚ እዋንዚ ኩላቶም መራሕቲ ጉጅለ ስልፍታት ኒሾፒን ኮሙን፡ ንሚግረሽን ንጀሲካ ኦልሶን ከም ወኪል ስደተኛታት ደው ከብላን እቶም እተነጽጉ ስደተኛታት ድማ ጉዳዮም ከም ብሓድሽ ኪረኣየሎም  ብማለት ይሓቱ ኣለዉ።

ጀሲካ ኦልሶን ግን እቲ ፖለቲካዊ መትከላ ምስቲ ናይ ወኪል ስደተኛታት ኮንካ ምስራሕ ምንም ርክብ ከም ዘይብሉ ትገልጽ።

ከም ናይ ሕጊ ሰብ፡ ኣነ ነቲ ሕጊ እየ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ፡ ከም ፖለቲከኛ ድማ ሓድሽ ሕጊ ክምስርት እደሊ፡ ኣብዚ ኸኣ ፍልልይ ኣይረኣየንን፡ ትብል ጀሲካ ኦልሶን ን P4 Sörmland።

Johanna Cederblad/TT

 

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com