Friday , April 19 2024
TT

ናይ መወዳእታ ቃል ፓይሎት ኢትዮጵያ “ሰርዝ ሰርዝ”

ዋንነታ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ደቓይቕ በርራ ኣብዚ ሰሙን ተሓምሺሻ።

ብመሰረት ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ድሕሪ ሰለስተ ደቓይቕ ፓይሎት ናብ ኤርፖርት ክምለስ ሓቲቱ ምንባሩ ገሊጹ።

ወዲ 29 ዓመት ያሬድ ጌታቸው ቅድሚ ሕጂ 8000 ሰዓታት ምብራሩን ኣብዛ ትራጂካዊት መዓልቲ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ደቓይቕ በረራ ናብ ቦሌ ኤርፖርት ክምለስ እናደለየ ብናይ በረራ ፍጥነት ኣብ ባይታ ተሓምሺሻ።

ቅድሚ ሕልፈቱ ምስ ወላዲቲ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ርክብ “ኣብ ናይሮቢ እትው ምስ በልኩ ክድውለልኪ እየ” ዝብል ነበረ።

ምክንያት ምሕምሻስ እዛ ነፋሪት ዛጊት ኣይተፈልጠን፡ ይኹን’ምበር ምስ ላየን ኤየር ዘመሳስላ ነገር ከም ዘሎን በዚ ድማ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ልዕሊ 50 ሃገራት ክእገዳ ምኽንያት ምዃኑን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com