Friday , March 29 2024
Magdalena Andersson presents a new jobs policy, which the Social Democrats' Congress will decide on.

ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃበሉ ኣገባብ ክተርር፡ እማመ ቀሪቡ

ብናይ ስራሕ ፍቓድ፡ ናብ ሃገረ ሽወደን ንምእታው ዘድልዩ ረቛሒታት፡ ዝተረሩ ንኽኾኑ፡ ብቦርድ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሓድሽ እማመ ምቕራቡ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ናይ ስራሕ ፖሊሲ፡ መሰረት መፍትሒ ናይ ኩሎም ማሕበራዊ ጸገማት እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደሾን፡ ገሊጻ።

እዚ ብቦርድ እቲ ሰልፊ ዝቐረበ እማመ፡ ብጉባኤ እቲ ሰልፊ ተቐባልነት ምስ ዝረክብ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ፡ ከም ኣካል ናይቲ ሰልፊ ፖሌቲካዊ ፖሊሲ ኮይኑ ክቐርብ እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣብቲ እማመ ቀሪቦም ዘለዉ ነጥብታት፡ ንዕዳጋታት ስራሕ ብምድህሳስ ንኣድላይነት ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ምግምጋም እዩ። ካብ ደገ ዝመጹ ሰራሕተኛታት፡ ምሉእ ሰዓታት ዝሰርሑ ክኾኑን፡ ነቲ ስራሕ ድማ ኣገድስነቶም ልዑል ክኸውን ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ቦርድ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ምሉእ ሰዓታት ንምስራሕ ዘኽእል መደባት ከተኣታቱ ወሲኑ ከምዘሎን ክሳብ 90% ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መድሕን፡ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ኩነታት ንምፍጣር መደብ ከምዘለዎ ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኤቫ ኖርድማርክ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com