Wednesday , April 24 2024
PONTUS LUNDAHL / TT

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ::

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ሰባት ናብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ስቶክሆልም ብወገን እኩባት ደሴታት ሙስኮ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣቲኹም ብዝብል ጠርጠራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ።

ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ካሪን ሮዛሮንድ እቶም ሰብኡት ሕጊ ገዛእቲ ትሕተ ቅርጺ ብምጥሓስ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጻ።

እቶም ሰብኡት ቅድሚ ምትሓዞም ብተደጋጋሚ ናብ ሙስኮ ተምላሊሶም እዮም። በዚ ድማ ንክልተ ዓመት ክእሰሩ ከም ዝክእሉ ይግመት። እቶም ክልተ ሰባት በጻሕቲ ምዃኖም ኣብ ወተሃደራዊ መኽዘን ነዳዲ ተገዳስነት ከም ዘለዎምን እዮም ዝገልጹ። ዝበዝሐ ክፋል መዓስከር ሙስኮ ብተሪር ከዉሒ እዩ ተሃኒጹ። ቀንዲ መዋፈሪ ሓይሊ ባሕሪ ከአንግድ ብምባል ክኣ ናይ ምስፋሕ ህንጻ ይካየደሉ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com