Thursday , April 25 2024

ናይ ትራምፕ ገጻት ፌይስቡክ ክሳብ መወዳእታ ወቕቲ ፕረዚንድነቱ ክዕጾ ምኳኑ ተፈሊጡ

ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራንፕ እተነብረ እገዳ ፌይስቡክን ኢንስታግራምን ክሳብ ምሉእ ምስግጋር ስልጣን ሓድሽ ፕረሲደንት  ጆ ባይደን ማለት ብውሕዱ ንዝመጽእ ክልተ ሳምንታት ክናዋሕ ከም እተገብረ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፌይስቡክ ማርክ  ዛከርበርግ  ገሊጹ።

ፕረሲደንት ትራንፕ፡ ሕጋውን ሰለማውን ምስግጋር ስልጣን ከም ዘይደሊ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዘጋጠመ ዘርዕድ ክስተታት ንባዕሉ መርኣያ እዩ ክብል ዛክበርግ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣገልግሎትና ክጥቀም ኣዝዩ ሓደጋኛ ኩነት እዩ ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ። ስለዚ ድማ ክሳብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ዝሳለጥ ብውሕዱ ንዝመጽእ ክልተ ሳምንታት ትራምፕ ካብዚ ኣገልግሎት ከም ዝእገድ ዝገበርና ኢሉ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተነብረ እገዳ ትዊተር፡ ፌስቡክን ስናፕን፡ ብረቡዕ ዝጀመረ ምዃኑ ተፈሊጡ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ዋሽንግተን ዘጋጠመ ናዕቢ፡ እዘን ዓርሞሾሽ ዝኾና ናይ ሜድያ መራኸቢታት ነቲ ንንጹህነት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝቛወም፡ ብትራምፕ ዝቐርቡ ዝነበሩ መልእኽታት ብምልኡ ኣልየንኦ።

ንኣዋርሕ ዝኣክል፡ ትራምፕን መሻርኽቱን ኣብ ምርጫ ዓሎቕ ከም እተራእየ ክዛረቡ ድሕሪ ምጽነሖም፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ናዕብን ምግሃስ ቀጽሪ ባይቶ ኣመሪካን ከም ዘጋጠመ ተዓዘብቲ ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com