Thursday , March 28 2024
ስእሊ: GEORGE OSODI/TT

ናይ ነዳዲ ቱቦ ብምፍንጃሩ 150 ሰባት ሞይቶም

እቶም ኣብ ደቡብ ምዕራብ ናይጀርያ በቲ ምፍንጃር ቱቦ ነዳዲ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ክሳዕ 150 ደዪቡ ኣሎ።

ሓደ ካብቲ ጠንቂ፡ ነቲ ነዳዲ ንምውሳድ ብዚግበር ዘይሕጋዊ ተግባራት እዩ። ነዚ ካብቲ ቱቦ ዚነዝዕ ነዳዲ ወሲዶም ኪሸጡ ዚደልዩ ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ተግባርዚ እቲ ቱቦ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኪፍንጀር ክኢሉ።

መጀመርያ 19 ሰባት ከም ዝሞቱ ተነጊሩ፡ ብድሕርዚ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት እቲ ቍጽሪ ግዳያት ሞት ክሳዕ 150 ክብ ኢሉ።

ነዚ ቱቦታትዚ ወናኒ ዝኾነ ኩባንያ PPMC እቲ ቱቦ በቶም ነዳዲ ሰሪቖም ኪሸጡ ዚደልዩ እዩ ተበላሽዩ ይብል። ገሊኦም ግን እቲ ቱቦ ሰኣን ቀጻሊ ጽገና እዩ ኪነዝዕ ጀሚሩ ይብሉ።

ገለ ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚ ድማ ነቲ ኩባንያ ብተደጋጋሚ ነቲ ቱቦ ከዐርዮ ከም ዝሓበሩዎም ሰማዒ ከም ዝሰኣኑን ይገልጹ።

ናይጀርያ ናይ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ኣፍራዪት ነዳዲ እያ። እቲ ነዳዲ ሒዙ ዚሓልፍ ቱቦታት ብማእከል ድኻታት ዞባታት ናይጀርያ እዩ ዚሓልፍ፡ እቶም ኣብኡ ዚርከቡ ሰባት ድማ ካብቲ ናይቲ ነዳዲ ሽያጥ ገለ ከም ዘይረኽቡ ይፍለጥ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com