Friday , April 19 2024

ናይ ኢድ ሰላምታ፡ ስራሕ ኣብ መርካብ፡ ከም ቅድመ ኩነት ክኸውን እማመ ቀሪቡ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሬሌቦሪ፡ ዝርከብ ሰልፊ ስቬርያ ዴሞክራትና፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ስራሕ ክረክብ ዝደሊ ሰብ፡ ናይ ግድን ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጥ ዝግድድ እማመ ኣቕሪቡ። እዚ ማለት ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ብሃይማኖታዊ ይኹን ብባህላዊ ምኽንያት፡ ናይ ኢድ ሰላምታ ዘይለዋወጥ ሰብ፡ ስራሕ ንኸይረክብ ዝሕብር እዩ።

እዚ ሓድሽ እማመ፡ ምስቲ ብቕዋም’ታ ሃገር ዝሕሎ ምኽባር ሃይማኖታዊ መሰላት ዝጻረር ብምዃኑ ብብዙሓት ሰልፍታት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ተገሊጹ።  

ምስ ቅዋም ሃገረ ሽወደን ዝጻረር፡ ከምዚ ዓይነት እማመ ምቕራብ፡ ምስ ድንቁርና እዩ ዝሕሰብ ክብል ኣባል ቤት ምኽሪ ሽማግለ’ታ ምምሕዳር ከተማ፡ ሊናርት ሆክረት፡ ገሊጽዎ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ይትረፍ ናይ ኢድ ሰላምታ፡ ምቅርራብ ውን ኣብ ዝተኸልከለሉ እዋናት፡ ከምዚ ዓይነት እማመ ምቕራብ፡ ዘገርም እዩ ዝበለ ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ሽማግለ ምምሕዳር ከተማ ዮቶቦሪ፡ ሚካኤል ሮቢን (ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ)፡ እቲ እማመ፡ ምስ መሰል ሃይማኖት ዝጻረር ኣይኮነን ክብል ገሊጽዎ።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ተቛውሞ ወይ ድማ ናይ ይግባይ ስምዕታ እንተዘይቀሪብሉ፡ ካብ ዕለት 26 የካቲት፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝኽእል ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019፡ ሰልፊ ስቬርያ ዴሞክራትና፡ ነዚ እማመ ከም ዘቕረቦን፡ ብቤት ፍርዲ ምምሕዳር ተነጺጉ ከምዝነበረን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com