Thursday , April 25 2024

ናይ ኣመሪካ መንኰርኰር ጠፈር ማርስ ክትበጽሕ ሰለስተ ሳምንታት ጥራይ እዩ ተሪፉዋ ዘሎ ተባሂሉ።

መንኰርኰር ጠፈር ኣመሪካ ዝኾነይ ፐርሰቨራንስ ሮቨር ካብታ ቀያሕ ፕላኔት እናተባህለት እትጽዋዕ ማርስ ንምብጻሕ 4.5 ሚልዮን ኪሎሜትር ርሕቀት ጥራይ ከም ዝተረፋን ብቕልጣፈ ነዚ ርሕቀት ኣብ ምሽፋን ምህላዋን ቢቢሲ ገሊጻ።

እዛ ዝዓበየትን ኣዝያ ዝተረቐቐትን ምዃና እተነግረላ ቬይክል ኣብ ካልእ ፕላኔት ዝዓለበት ፋልመይቲ መንኰርኰር ክትከውን እያ ዝብል ግምት ከም ዘሎን  ጀዜሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዞባ ማርስ ክትዓልብ ከም ዝኾነትን ድማ ተገሊጹ።

እዛ መንኰርኰር እቲ ዘድሊ ምዕላብ ንምርግጋጽ ነቲ ኢንጂነራት ናይ ሸውዓተ ደቓይቕ ራዕዲ እናበሉ ዝጽውዕዎ መንኰረዂራት ናብ ክሊ ኣየር ካልእ ፕላኔት እንክኣትዋ ዘጋጥመን ምንቅጥቃጥ ክትሓልፍ ከም ዝኾነት ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com