Thursday , April 25 2024

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር ተጨውዩ

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር፡ መሓመድ ደዊይ፡ ኣብታ ናይ ታንዛንያ ዝዓበየት ከተማ ዳር ኤስ ሳላም ብዕጡቓት ሰባት ከም እተጨውየ ዞባዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብመሰረት ናይቲ ሃገር ኣመሓዳሪ፡ ፖል ማኮንዳ፡ ደዊይ በቶም ኣብ ክልተ ማኪና ኮይኖም ዝመጹን ኣብ ኣየር ዝተኮሱን ሰባት እዩ ተጨውዩ።

እቲ 43 ዓመት ዝዕድመኡ መሓመድ ደዊ፡ ወናኒ ናይቲ 24000 ሰራሕተኛታት ዘለዎን ኣብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ቢዚነስ ዘካይድን METL Group ዚብሃል ትካል እዩ።

ንሱ ኣብ 2005ን 2015ን ኣባል ባይቶ ታንዛያ እዩ ነይሩ፡ ብመሰረት ፎርበስ ድማ በቲ ሃብቱ ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ኣዚዮም ዝሃብተሙ ሰባት መበል 17 ደረጃ ሒዙ ኣሎ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com