Friday , April 26 2024

ተጻዋትይ ኩዑሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብናይ ጾታ ዓመጽ ይኽሰስ

ኣብልዕሊ ናይ ዓለምና ኮኾብ ተጻዋትይ ኩዑሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ዝውርድ ዘሎ ናይ ጾታ ዓመጽ ክሲ ንቡዝሓት መዎልቱ ዝኮና ትካላት  ከተሓሳስበን ጀሚሩ።

ከምዝፍለጥ  ኣመሪካዊ ከትራን ማዮርጋ  ብ Me too ዝፍለጥ ጎስጋስ ተሓጊዛ ክርስትያኖ ኣብ ላስ ቬጋስ (ኣሜሪካ) ኣብ ፓልማስ ዝተባህለ ሆተል ኣብ ልዕሊኣ ብሓይሊ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመን  ነቲ ኩነታት ንከይዛረብ ብዝተውህበቶ 375000 ዶላር ናብ ፖሊስ ከይትከስስ ከምዝተገብረ ብምባል እያ ዳግማይ ናይ ክሲ ፋይል ከፊታ ዘላ።

ክሱ ኣብመስርሕ እካ እንተሃለወ ንቡዙሓት መወልቱ ከም ናይ 1 ቢልዮን ውዕል ዘለዎ ኤመሪካዊ ናይ ስፖርት ትካል ናይክን   EA  ኩባንያ መፍረ ናውቲ ስፖርት ግን ከየተሓሳሰበን ኣየተረፈን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com