Thursday , April 25 2024
CORNELIA NORDSTRÖM / XP / TT

ናይ ዳዊት ኢሳቕ መጽሓፍ ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕዳል ጐስጓስ ምውጻእ ገንዝብ ይካይድ

ሎሚ ቀዳም፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛን ደራሲን ዳዊት ኢሳቕ ዕለተ-ልደቱ እዩ – ንመበል 17 ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ዘብዕላ ዕለተ-ልደቱ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ መጽሓፉ ንኣባላት ባይቶ ሕብረተ ኤውሮጳ ንምዕዳላ ምእንቲ ክከኣል፡ ጐስጓስ ምውጻእ ገንዘብ ተዳልዩ ኣሎ።

እቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ናይ ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ን17 ዓመታት ብዘይ ፍርዳዊ መስራሕ ተቐይዱ ይርከብ። ብ2001 ኣብ ዝተታሕዘሎ ግዜ፡ ምስ’ታ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ኤርትራ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንኽህሉ ዝጠልባ ዝነበራ ብሕታውያን ግዜጣታት ዝዀነ “ሰቲት” ይሰርሕ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብህይወት ምህላዉ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ’ኳ የሎን።

ሎሚ ቀዳም መበል 54 ዕለተ-ልደት ዳዊት ኰይኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ እታ “ተስፋ” እተሰመየት መጽሓፉ ንኣባላት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጵ ንምዕዳላ ዝዕላማኡ፡ ጐስጓስ ምውጻእ ገንዘብ ተጀሚሩ ኣሎ። ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ፡ ናይ ዳዊት እኩባት ስራሓት ስዲ-ንባብ፡ ድራማን ዓንቀጻትን ተጠቓልል።

እቲ ጐስጓስ ብማሕበር ሓገዝ ንዳዊት ኢሳቕ ዝካየድ ኰነይ፡ ከም እኒ ክለብ ኣሕተምቲ፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፡ ማሕበር ሽወደናውያን ደረስቲ፡ ማሕበር ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት፡ ፔን ሽወደን፡ መጽሔታት ሽወደን፡ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን፡ ከምኡ’ውን ኣሕተምን ዝተደገፈ እዩ። እቲ ተበግሶ፡ ብምትሕብባር ኣምነስቲ ብዓርቢ ኣብ ኣጋ ምሳሕ ኣብ ዝተጀመረሉ ኣጋጣሚ፡ ብዕድመ መሰታ ዳዊት ዝዀኑ ካቲ ሆፍሊን፡ ቶማስ ኣርንሮትን ከምኡ’ውን ካልኦትን ካብ ትሕዝቶ ናይ ዳዊት መጽሓፍ ኣንቢቦም።

እዚ ጐስጓስ፡ ክሳብ 24 ሕዳር ዝቕጽል ኰይኑ፡ እቲ ዕላማ ድማ፡ 200,000 ክሮኑር ንምእካብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com