Saturday , April 20 2024
Foto: Jessica Gow/TT

ናይ ዶሮቴያ ኣቦታት ናይ ውላድ-ዕረፍቲ ብምውሳድ ካብ ሃገር ምሉእ ዝበልጹ

ቍጽሪ ናይ ንኣቦታት ዝወጸ ክፍሉ-መዓልታት-ዕረፍቲ-ወላዲ (föräldrapenningdagar) እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ዶሮቴያ፡ ብ37 ምኢታዊት፡ ካብ ሃገር ምሉእ ዝላዓለ ቍጽሪ ክፍሉ-መዓልታት-ዕረፍቲ-ወላዲ ናይ ኣቦታት ዝተወስደላ ኮሙን ኰይና ኣላ። ካብ’ተን ዓሰርተ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርካባ ኮሙናት፡ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ካብ ሓደ ዞባ እየን።

ብሃገር ደረጃ፡ ብኣቦታት ዝውሰድ ዕረፍቲ-ወላዲ 29 ምኢታዊት ናይ’ቶም መዓልታት’ዩ ዘሎ።

“ኣብዚ ክልተ ዓመታት ተራእዩ ብዘሎ ምዕባለ እንተ ቐጺሉ፡ ኣብ መፋርቕ 2030ታት እቲ ክፍፍል ኣብ መንጎ ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣብ ምውሳድ ክፉል-መዓታት-ዕረፍቲ-ወላዲ ምዕሩይ ክኸውን’ዩ፡” ይብል ኒክላስ ለፍግሬን፡ ኣፈኛ ጉዳይ ቍጠባ ስድራቤት ኣብ ክፍሊ ሳንዱቕ ውሕስነት (Försäkringskassan).

ነፍሲ-ወከፍ ወላዲ፡ ካብ’ቶም 480 ክፉላት-መዓልታት-ዕረፍቲ-ወላዲ ንነፍሲ-ወከፍ ቈልዓ፡ ፍርቂ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

በዚ መሰረት ኣብ ናይ ዶሮቴያ ኮሙንእቲ ክፍፍል62.6 ምኢታዊት ደቂኣንስትዮ፡ 37.4 ምኢታዊት ደቂተባዕትዮ ብምኳን ቀዳመይቲ ኰይና። ብኣንጻሩ ናይ ፔሽትሮፕ ኮሙን 78.4 ምኢታዊት ደቂኣንስትዮ፡ 21.6 ምኢታዊት ጥራሕ ድማ ደቂተባዕትዮ ብምዃን ኣብ መወዳእታ ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com