Friday , April 19 2024
Brazil Photo Press / SplashNews.com

ኔይማር ምስ ክለብ ባርሳ ኣብ ስምምዕ በጺሑ!!

ሂወት ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ከም ዘይማእምኦን ናይ ቅድም ቤተይ ናፊቀ ክብለ ዝቐነየ ብራዚላዊ ነይማር  ናብ ናይ ቀደም ጋንቱ`ኡ ባርሶሎና ከም ዝተመልሰን ናይ ሓሙሽተ ዓመት ኩንትራት ክፈራረም ምስታ ጋን`ታ ከም ዝወድእ ሎሚ ዝወጹ ዘለዉ ዜናታት ይሕብሩ።

እሱ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ናይ ዕለተ ልደት ኮኸብ ተጻዋታይ ክለብ ባርሰሎና መሲ ኣብ ዝጻሓፎ ሰናይ ትምኒቱ ኣብ ዝቐረበ ግዜ ኣብ ጎኑኻ ኣለኹ ክብል ብምጽሓፉ እዩ። ነይማር ምስ ክለብ ባርሳ ን ሓሙሽተ ዓወታት ክጸንሕን ደሞዙ ድማ ካብ ምስ ክለብ ፒኤስጂ ዝነበረ ዓመታዊ 36 ሚልዮን ኤሮ ናብ 24 ሚልዮን ይሮ ብምጉዳል ኣዩ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ዘሎ ዝተረፈ ስምምዕ ናይ ዘን ክልተ ክለባት ጥራይ እዩ።

ኔይማር ካብ 2013 ክሳብ 2017 ምስ ባርሶሎና ተሰሊፉ ከም ዝተጻወተ ዝዝከር ኩይኑ ኣብ 2017 ናብ ፒ ኤስ ጂ ክብረወሰን ተጻወቲ  ዓለምና ብዝሰበረ ገንዘብ ናብ ሃብታምፈረንሳዊት ጋንታ ከም ዝተሰጋገር ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com