Thursday , April 18 2024
ANNE-CHRISTINE POUJOULAT/TT

ኔይማር ንባርሳ ይናፍቅ

ኣብ 2017 ብዘይእመን ዝመስል ሓድሽ ክብረ ወሰን ብዝሰበረ ብ 222 ሚልዮን ዩሮ ካብ ባርሳ ናብ ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ዝተሰጋገረ ወዲ 26 ዓመት ብራዚላዊ ነይማር ናብራ ሊግ ፈረንሳ ሓደ ከምዘጽሎኦን ናብራ ክለብ ባርሶሎና ከምዝናፈቆን ይገልጽ ኣሎ።

ነይማር ኣብዛ ክለቡ 27 ሸቶታት ብምምዝጋብ 16 ንሸቶታት ዝኾና ኩዑሶ ብምቅራብ ኣብምንጽብራቅ እኻ እንተሃለወ እቲ ሊግ ግን ተወዳደርቲ ክለባት ብዘይምህላወን ሰልችዩኒ እካ እንተበለ፣ ጋዜጣትታት ፈረንሳ ግን ነይማር ከምቲ ዝሓሰቦ ማለት በይኑ ጸብለል ብምባል ዕውት ባሎን ዲ ኦር ንኽኸውን ዝነብሮ ሕልሚ ብመንእሰይ ተጻዋታይ ጋንታን ዓይኒ ዓበይቲ ክለባት ዓለምና ስሒቡ ዝርከብ ምባፐ ይጽሎ ምህላዉ እዩ።

ኣካየድቲ ጋንታ ፒኤስጂ ውን ብ ምባፐ ዝዓገቡ እዮም ዝመስሉ ነቲ ዝከፈልናዮ ዋጋ ነይማር ተተከፍሉና ክፉት እዩ እቲ ማዕጾ ይብሉ ኣለው።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com