Thursday , April 25 2024

ንመንግስቲ ዘታለለት ጉዳመኛ ሰበይቲ

64 ዝዕድመኣ ሰበይቲ ካብቲ ናይ ደንማርክ ቤትጽሕፈት ህጻናት ማሕበረሰብን 111 ሚልዮን ናይ ዳንማርክ ክሩኑር ኣታሊላ ወሲዳ። ሕጂ ኣብ ኩሉ ዓለም ትድለ ኣላ፡ ይሕብር እቲ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ።

እዚ ገበንዚ ከም ኣዚዩ ከቢድ ወንጀል ኮይኑ እዩ ናብቲ ኣኽባር ሕጊ እተሓበረ። ብመሰረት ምርመራ ፖሊስ፡ እዚ ናይ ምትላል ፍጻመ ካብ 2002 ክሳዕ 2018 እዩ ቀጺሉ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ እዛ ጉዳመኛ ሰበይቲ ነቲ ኪኽፍል እተወጠነ ገንዘብ ኣብ ጁባኣ ትስኩዖ ነይራ።

” እቲ ንውጹዓት ኪጠቅም ተባሂሉ እትሰለዐ ገንዘብ ከምዚ ኢሉ ኪጠፍእ ከሎ ይገርመኒ። እዚ ጽላለ እዩ” ይጽሕፍ እቲ ናይ ዳንማርክ ናይ ህጻናትን ማሕበረሰብን ሚኒስተር፡ ማይ ማርካዶ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com