Tuesday , April 23 2024
Children wearing balloon hats ride on a merry-go-round at a Christmas Party in Sandton, Johannesburg, Wednesday Dec. 3 2003. The children, who enjoyed treats, games and activities provided by a group of environmentalists, came from squatter settlements south of Johannesburg and a home called "Cotlands," that cares for HIV positive and abandoned kids. A large percentage of the children are AIDS orphans or sufferers who borrowed clothes from the community to look their best to attend the annual treat. (AP Photo/Denis Farrell)

(ንመዘናግዒ) ዕሸላዊ ኣሰራርሓ መግቢ (Kids’ Cookbook) ብህጻናት እተዳለወ ናይ መግቢ ኣሰራርሓ መጽሓፍ እንተ ዚሕተም እንታይ ምመሰለ ነይሩ? ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ጸብሒ ደርሆ

ኪህልዉ ዘለዎም ነገራት

  1. ብኽልተ እግራ እተኸይድ ሕያወይቲ ደርሆ
  2. ብዙሕ እንቋቝሖ
  3. ብዙሕ ጠስሚ
  4. ሽጉርቲ
  5. በርበረ
  6. ፋርኔሎ፡ መሽረፈት፡ ማይ፡ ጨው፡ ካራ፡ ሸሓኒ ወዘተ.

 

ኣገባብ

ነታ ደርሆ ድሕሪ ብዙሕ ምጕያይን ላዕልን ታሕትን፡ ብእግራ ትሕዛ። ካራ ጌርካ ቀስ ኣቢልካ ትሓርዳ። ንኹሉ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብ ጻሕሊ ተእትዎ። ብዘይካ ነታ ደርሆ። ነታ ደርሆ ደሓር ኢኻ ኣብ ጻሕሊ እተእትዋ፡ ሞይታ ምዃና ምስ ኣረጋገጽካ። ግን ከም ዝሞተት ንምርግጋጽ ካብ ሓኪም ወረቐት ምስክር ወይ Dödsattest ኣየድልን።

 

ሽጉርቲ ግን ኪምተር ኣለዎ። (ኣጻብዕካ ሓዊስካ ከይትቖርጽ ምጥንቃቕ)። ደርሆ ናብ 12 መላታት ክትቆራረጽ ኣለዋ። ጠስሚ ምቝጣብ ኣየድልን። ካብ ኩሉ ግን እንቋቝሖ ዘይምርሳዕ!

መጠንቀቕታ፥ ድሙ ንግዜኡ ካብ ገዛ ክትስጎግ ኣሎዋ!!

 

ኩሉ ምስ በሰለ፡ ነቲ ጻሕሊ ተውርዶ። ግን ቅድሚ ምብላዕካ፡ እተን 12 መላታት ኣብቲ ጻሕሊ ከም ዝኣተዋ ኮንትሮሎ ክትገብር ይግባእ። ካብ 12 መላታት ንላዕሊ ምስ እትረክብ፡ ገለ ካብ ኣጻብዕካ ተለኪሙ ኣትዩ ከይከውን ንምርግጋጽ፡ ንኣጻብዕካ ደጋጊምካ ምርኣይ።

 

መውረዲ

ማይ ወይ ጸባ ወይ ድማ ኳኳ

 

ዓቐን

በስምኣም ኢልካ ንዓሰርተ ሰባት ትኣክል ኢያ። ዋእ! ሃርጎምጎም እንተ ኢልካ ግን ንሓደ ሰብ እኳ ኣይትኣክልን። መጠንቀቕታ፥ ጋሻ ከይመጽእ ኣበርቲዕካ ምጽላይ!

 

ይቕረታ፡ ጨው ተረሲዑ ነይሩ። ግን ደሓር ኪኣቱ ይኽእል ኢዩ። ዘይጋገ ሰብ የልቦን። ማይ’ውን ተረሲዑ ነይሩ፡ ይቕረታ። መጠንቀቕታ፥  ኣብ ጸብሒ ደርሆ ብዙሕ ማይ ምውሳኽ ኣየድልን፡ ምኽንያቱ እታ ደርሆ ማይ ምስ በዝሓ ናብ ማይ-ደርሆ ክትልወጥ ስለ እትኽእል!!!

 

 

ዶልሺ ወይ ባሽኮቲ

ዶልሺ ንምስራሕ፡ ብዙሕ ሽኮር ኢዩ ዘድሊ። ጽሩይ መዓር ደኣ ዘይርከብ ኮይኑ እምበር፡ መዓር ኢያ ነይራ ፈውሳ። ጻዕዳ ፊኖ። ናይ ሓበሻ ኣንቋቝሖ።

 

ኪህልወካ ዘለዎ ነገራት

በቃ ብዙሕ ሽኮር። ከምኡ’ውን ሓሪጭ። ከምኡ’ውን እንቋቝሖ። ከምኡ’ውን ዘይቲ። ንግዜኡ ነቶም ብጾትካ ዝኾኑ ቆልዑ ኪዱ ተጻወቱ ኢልካ ካብቲ ክሽነ ከም ዚርሕቁ ምግባር፡ ሽኮር ቆልዑ ስለ ዚስሕብ።

 

ኣገባብ

ንኹሉ ሓዋዊስካ ኣብ ፎርኖ ኣእቲኻ ብትዕግስትን ተስፋን ሃንቀውታን ትጽበ። ነቲ ፎርኖ እናኸፍትካ ሽኮር ውሒዱዎ ከይከውን ትጥዕሞ። ጠዓዒምካ ከይትውድኦ ግን ምጥንቃቕ። ጥዑም ኮይኑ ምስ ተሰመዓካ ተውጽኦ።

 

 

ዓቐን

ተሓቢእካ ንበይንኻ ተጽግበካ ኢያ። ምስ ኣሕዋትካ እንተ ኾንካ ግን፡ ካልኣይ ግዜ ክትሰርሕ ኣሎካ።

 

 

ፓስታ ኣስባገቲ (ባስታ እዝጋምበቲ ከይትብሉዎ ተጠንቀቑ፡ ምኽንያቱ እዝጋምበቲ ማለት ብጥልያን ምሽንዳሕ ማለት ኢዩ)

ኪህሉ ዘለዎ ነገራት

ሓደ ኪሎ ባስታ ኣስባገቲ። ማይ። ሓዊ። ድስቲ። ፈሓም፡ መሽረፈት፡ ኣብ መዝሓሊ ዝቐነየ ሱጎ። መሽረፈት ምስ ዘይህልወካ ድማ ንፋስ ኪነፍስ ጸሎት ምግባር።

 

ኣገባብ
ባስታ ኣብ ማይ ኣትዩ ምስ በሰለ ኣብ መዝቆቒ ገልቢጥካ ትጥዕሞ። እንተ ዘይበሰለ፡ መመሊስካ ተብስሎ። ክሳዕ ይኣኽለኒ ዚብል። ግን ናብ ግዓት ከይቅየር ድማ ምጥንቃቕ።

 

ሕምትልትል ኢሉ ምስ በሰለ ተውርዶ። ትዞቆ። ኣቦስቶ! ምስቲ ሱጎ ሓዊስካ ትበልዖ። ብጠስሚ ጌርካ እውን ከም ሕሳብ ግዓት ክትበልዖ ትኽእል ኢኻ።

 

መውረዲ

ባዕሉ ብግራቪቲ ይወረድ ኢዩ። ከቢድ ስለ ዝኾነ።

 

ዓቐን

ሓደ ኪሎ ባስታ ኣስባገቲ ነቲ ኣስቶማኮኡ ሕሙም ዝኾነ ሰብ ኣብ ፍሪጅ ኣቐሚጡ ንወርሒ ከብልዖ ይኽእል ኢዩ። ኣስቶማኮኡ ሓጺን ንዝኾነ መካኒኮ ወይ ሚኒዋለ ግን ርብዒ ሰዓት እኳ ክትነውሖ።

 

ንባስታ ኣስባገቲ ብሓሙሽተ መገዲ ክንበልዖ ንኽእል፤

 

  1. ብማንካን ፋርከታን
  2. ብኣጻብዕትና
  3. ብዕምኮ ኢድና
  4. ብጣይታ
  5. ብባኒ
  6. ብኹሉ በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ

 

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ብ እዋይ.ኪምቅር.ኣት.ያሁ ዚብል ኢመይል ሕቶኹም ስደዱ። ናይ ኣዋዘ ኣሰራርሓ ኮርሳት ክትወስዳ ንእትደልያ ኣዴታትና  ድማ ኣብ ሱስ.ሱስ.ሱስ.ማይሃበኒ.ኮም ኣቲኽን ተመዝገባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com