Thursday , April 25 2024
A policeman hands back the travel permit to a commuter after checking at a street checkpoint in Vung Tau, Vietnam (AP Photo/Hau Dinh) HD103

ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ጠንቂ ብምዃኑ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ሓደ ካብ ቬትናማዊት ከተማ ሆ ቺ ሚንህ ናብታ ኣብ ዞባ ካ ማው እትርከብ ዓዱ ክበጽሕ ዝኸደ ቬትናማዊ ሰብኣይ፡ መምርሒታት ውሽባ ብዘይምኽታሉ፡ ቤት ፍርዲ እቲ ከባቢ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝበየነሉ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ፡ ንናይ እቲ ከባቢ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ወዲ ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብ ምጅማር ናይ ወርሒ ሓምለ፡ ብሕማም ኮቪድ ተለኺፉ ምንባሩ ዝሓበረ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብሰንኪ ጥሕሰት ናይ 21 መዓልታት መምርሒታት ውሸባ ናይቲ ዞባ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ሕማም ክልከፉ ከምዝኸኣሉን ሓደ ሰብ ድማ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ 19 ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ገሊጹ።

 

ሃገረ ቬትናም፡ ኣብዚ ዓመት፡ ልዑል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ካብ ዘጋጠመን ሃገራት ዓለምና ኮይና ከምዘላ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዝበዝሐ መጠን መልከፍትን ሞትን፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበ ምዃኑን ርእሰ ከተማ እታ ሃገርን ዓባይ ከተማ ሆ ቺ ሚንህን ካብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ጀሚረን፡ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ከምዘለዋ፡ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ይሕብሩ።

ሃገረ ቬትናም፡ ኣቐድም ኣቢላ ውን፡ ንሓደ ወዲ 32 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ብሰንኪ ኣብ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ጠንቂ ኮንካ ብዝብል ክሲ፡ ን 18 ኣዋርሕን ንሓደ ወዲ 29 ዓመት ሰብኣይ ድማ ንኽልተ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝፈረዶም ይዝከር።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com