Thursday , April 25 2024

 ንሰራሕተኛታቱ ሽንቲ ብምስታይ ዝቐጽዕ ኩባንያ

ኣብ ቻይና፡ ዙንዪ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ናይ ክፍለ ሃገር ጉይዡ ንብዙሓት ዘስደመመ ፍጻመ ኣጋጢሙ። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ዓቢ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓንን ማእከል ስሕበት ዕላል ናይ ብዙሓት ሰባትን ኮይኑ ዝቐነየ ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ እዩ።

ሓደ ኣብ ምምልኻዕ ኣባይቲ ዝነጥፍ ትካል እዩ። ኣታዊታቱ ምስ ኣንቆልቆለ፡ ጠንቁ፡ ድኽመት ሰራሕተኛታቱ ምዃኑ ብምእማን ሰራሕተኛታቱ ክቐጽዕ ወሲኑ። ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ ዘስካሕክሕ ናይ ቪድዮ ስእሊ ከምዘርእዮ፡ እቶም ክቕጽዑ ዝተበየነሎም ሰራሕተኛታት ተሰሪዖም ሓሳኹ ክበልዑን ሽንቲ ክሰትዩን ይረኣዩ። ብድሕሪኡ’ውን ናይ ኩርማጅ መቕጻዕቲ ይስዕብ።

እቲ ኩባንያ፡ ኣቐዲሙ’ውን ሰራሕተኛታቱ ጸጕሮም ብምልጻይ ይቐጽዕ ምንባሩ፡ እቲ ምንጪ ናይ ቀደም ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ብምጥቃስ የረድእ። እቲ ጽዩፍ ቪደዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ፖሊስ ከተማ ዙንዩ ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ኣብ ትሕቲ ቀዪዲ ኣእትዩ ከምዘሎ፡ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com