Wednesday , April 24 2024
Emil Langvad/TT

ንሰባት ክልምኑ ኣገዲድኩም ብዝብል ሽዱሽተ ሰብኡት ተኸሲሶም።

ሽዱሽተ ሰብኡት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሰባት ካብ ቡልጋርያ ብምስግጋርን ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኣከባቢ ብምሕያርን ንኽልምኑ ብምግዳድን ተኸሲሶም።

እዚ ኣብ ሸውደን ምናልባት እቲ ዝዓበየ ብሕጊ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስግጋር ሰባት ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ወረዳ ቫዦ ላዕለዋይ ዳኛ ዳንኤል ሃራልድሰን ንሬድዮ ሸውደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዞም ግዳያት ብዘይስሩዕ ኣገባብ ኣብ መጻወድያ ምእታዎም: ገሊኣቶም ናብ ሸወደን ምስ ኣተዉ ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ስራሕ ወይ ኲነታቶም ጌጋ ሓበሬታ ከም እተዋህቡ ገሊኣቶም ድማ ኣብ ቡልጋርያ ከርፋሕ መነባብሮ የሕልፉ ምስ ምንባሮም ብምርኣይ እዞም ኣሰጋገርቲ ከም ዝመዝመዝዎም ሓቢሩ።

ሓንሳብ ናብ ሽወደን ምስ ኣተዉ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃግር ኣብ ዝርከብ ቫዦ ዝተባህለ ወረዳ ናብ ልመና ኣዋፊሮሞም።

ኣካላዊ ብዝበዛ ዕዳ ምቕራጽን ዘየቋርጽ ምክተታልን እዞም ኣዋፈርቲ እናተገብረሎም ቊንጣሮ መግቢ ጥራይ እናሃቡ የዋፍርዎም ኔሮም ኢሉ።

ኲነታት ኣየር ብዘየገድስ ኣብ ልመና ይዋፈሩ ኔሮም። “ከምዛ ኣቕሓ እዮም ዝርእይዎም ኔሮም,” ይብል ዳኛ ሃራልድሰን።

እዞም ሽዱሽተ ሰብኡትን ሓጋዚኦምን ካብ ዓመትን መንፈቕን ክሳብ 5 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም ኣለዉ። ሓደ ክኣ ብዘረፋን ኣካላዊ መጥቃዕቲን ተኸሲሱ’ሎ።

ኲሎም እዞም ሰባት ካብ ቡልጋርያ ዝመጹ ኮይኖም ድሕሪ መቕጻዕቶም ናብ ዓዶም ክጥረዙ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com