Friday , April 19 2024

ንካንሰር ዝፍውስ መድሃኒት ተረኺቡ ተባሂሉ።፡

ተመራመርቲ ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት ንካንሰር ዝፍውስ መድሃኒት ክረኽቡ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ምርምር ካንሰር ነዞም ጸረ ካንሰር መድሃኒታት ንምድላው ናይ 75 ሚልዮን ፓውንድ ወፍሪ ከም ዘድሊ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣካያዲ ናይዚ ትካል ፖል ዋክማን ሓደ ካብቲ ካንሰር ንምጥፋእ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐ ናይቲ ሕማም ኣፋውስ ናይ ምልማድ ተኽእሎ እዩ ይብል። ይኹን’ምበር እዚ ሓድሽ መድሃኒት ካብዚ ብዝተፈልየ ፍቱን እዩ ክኸውን ድማ ኢሉ።

እዚ ትካል ብዛዕባ ካንሰር ዝጸንሐ ኣታሓሳስባ ዝቕይር ሓድሽ ተረኽቦታት ከም ዝመዝገበን እቲ ሕማም ካብ ምቕልቃሉ ጀሚሩ ናይ ምፍላጡ ዕድል ክብ ክብ ከም ዝበለን ወሲኹ ጠቒሱ’ሎ።

ብዘይካዚ እዞም ተመራመርቲ ብምውህሃድ ዝተፈላለየ ኣፋውስን ሰብ-ሰርሖ ሓንጎልን ምብጥቃም እቶም ናይ ካንሰር ዋህዮታት ከይዓበዩ ብኣግኡ ክምንቈሱን ዝገብር ኣገባብ እዮም ክጥቀሙ።

እዚ ዂሉ ተስፋ ዝህብ መስርሓት ክሳብ 10 ዓመት ክወስድ እዩ ዝብል ትንበያ ከም ዘለዎም እውን ኣስሚርሉ’ሎ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com