Saturday , April 20 2024

ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታቭ 16 መንግስቲ ናይ ምቛም ሽግር ኣመልኪቱ ጻውዒት ጌሩ።

ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታቭ 16 ነቲ ቅልውላው ልደት እተሰምየ መንግስቲ ናይ ምቛም ሽግር ኣመልኪቱ ጻውዒት ጌሩ። ንሱ ኣብ ዓመታዊ ናይ ልደት መደርኡ ዝሓለፈ ጽድያ ድሕሪ ዝተገብረ ኣፈናዊ ምርጫ ዝተኸስተ ቅልውላው ምቛም መንግስቲ ኣመልኪቱ ተዛሪቡ።

“ምቛም መንግስቲ ህድኣት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግና ዲሞክራሲና ከምኡ እዩ ዝዓዪ። እቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት ግዜ ክወስዱ ኣለዎም፡ ናይ ርእይቶን ዝንባለን ፍልልይ እውን እንተሃለወና ዛጊት ከም ሽወደናውያን ዘሕብሩና ብዙሓት ጒዳያት ኣለዉ ” ኢሉ።

እቲ ንጉስ እዚ ብቐንዱ ናይቶም ትካላት ሕብረተሰብ ዝውክሉ ሰባት ሓላፍነት እዩ፡ ሕብረተሰቦም ዘሰከሞን ሓላፍነት ብዘደንፍዕ ኣገባብ ክዋስኡ ድማ ይግቦኦም ኢሉ።

ንሱ 2018 መበል 100 ዓመት ምውዳእ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ከምኡውን ምጅማር ምርጫ ንኽልቲኡ ጾታ ሽወደን ዘበሰረት ውን ብምዃና ፍልይቲ ዓመት ይገብራ ኢሉ።

ብተወሳኺ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ጫካታት ሽወደን ኣጋጢሙ ንዝነበረ ጫካ ኣብ ምጥፋእ ተበግሶ ንዝወሰዱ ወለንተኛታት ንኢዱ።

ኣብ መወዳእታ መደርኡ ንጉስ ካርል መበል 16 ንኹሎም ሽወደናውያን ምንዮት ርሑስ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ኣመሓላሊፉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com