Thursday , April 25 2024
Terror group Boko Haram's former leader Abubakar Shekau

ንጉጅለ ቦኮ ሓራም ክጥንጥንዎ ዝደልዩ ኣባላት፡ ቁጽሮም ይውስኽ

መራሒ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም፡ ኣቡበከር ሼካው፡ ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት ድሕሪ ምሟቱ፡ 1000 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ውድብ፡ ምሕረት መንግስቲ ብምሕታት ነቲ ውድብ ክጥንጥንዎ ድሌት ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ።

እቶም ኣባላት ኣብ ኣእዳዎም ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ኣጭርቕቲ ብምሓዝ “ናይጀርያ ምሕረት ግበርልና፡ ሰላም እቲ እንኮ ኣማራጺ እዩ” እናበሉ ዘርኢ ምስሊታት ብተሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዩ ኣሎ። እዚ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝተሳእለ ቪድዮታት፡ ኣብዚ ሰሙን መካትዒ ጒዳይ ኮይኑ ከም ዝነበረ እውን ተመልኪቱ። እዞም ነቲ ጉጅለ ዝጥንጥንዎ ዘለዉ ሰባት፡ ብግዴታ ዝተኸትቡ ገባሮን ህጻናትን እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ን12 ዓመታት ዝቐጸለ ህላወ ቦኮሓራምን ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃን ንሓዋሩ ንምድምሳስ ዝተኻይዱ ዕዉታት ስርሒታት መንግስቲ ናይጀርያ እዮም ነዚ ምስላም ደሪኾም ዘለዉ ዝብል ትንተናታት እውን ቀሪቡ’ሎ።

ከም ኣካል ናይዚ ወፍሪ፡ ነቲ ውድብ ዝጠንጠኑን ዝሰለሙን ኣባላት ናብ መእለዪ መደብራት ይውሰዱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዞም መእለዪ ነቚጣታት ኣዝዮም ይቕረ በሃልቲ እዮም ብዝብል ይንቀፉ ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ቦኮሓራምን ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝተኻየደ መረርቲ ውግኣት፡ ቦኮሓራም፡ ተደጋጋሚ ስዕረታት ገጢምዎ እዩ። ኣብ ሓደ ካብዞም ውግኣት፡ መራሒ ቦኮ ሓራም፡ ኣቡበከር ሼካው፡ ድሕሪ ምሟቱ ብፍላይ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጒጅለ፡ ናብ መንግስቲ ክስልሙ ድሌታት የርእዩ ኣለዉ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com