Friday , March 29 2024

ንግስቲ ዙሉ: ዓሪፋ

ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ: ንጉስ ጉድዊል ዝወሊትኒ: 65 ዝዕድሜኣ: ማንትፎምቢ: ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግዜያዊት መራሒት ናይቲ ዝዓበየ ብሄር ደቡብ ኣፍሪቃ: ዙሉ: ኮይና ከም እተመዘት ዝዝከር እዩ።

“ክቡርነታ ንግስቲ ሽዪወ ማንትፎምቢ ድላሚኒ ዙሉ ሃንደበት ምዕራፋ ብዓቢ ሓዘን ንገልጸልኩም” ክብል ቀዳማይ ሚኒትስር እቲ ንግስነት መስፍን: ማንጎሱቱ ቡተለዚ: ገሊጹ።

ቤተሰባ: ብሞታ ኣብ ዓብዪ ስንባደ ከም ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ንግስቲ ገሊጹ’ሎ።

11 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዎ ብሄረ ዙሉ: ዝመርሕ ካልእ ሰብ ገና ከም ዘይተረቚሐ ቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብ ብሄረ ዙሉ ዝኾነ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ክህሉ ከም ዘይኮነ ቐዳማይ ሚኒስተር እቲ ንግስነት ኣፍሊጡ’ሎ።

ንግስቲ ማንትፎምቢ: ብንጹር ብዘይተፈልጠ ሕማም ተታሒዛ: ዝሓለፈ ሰሙን: ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ምጽናሓ ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ኣመልኪተን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com