Saturday , April 20 2024
SUMY SADRUNIASHRAF SHAZLYYASUYOSHI CHIBA/TT

ንፕረዚደንት ሶማል ንምኽሳስ እማመ ቀሪቡ ::

ዓብደልከሪም ዓብዲ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ፓርላማ ፌደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል; ንፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ዓብዱላሂ ንምኽሳስ ናብ ኣፈኛ እቲ ፓርላማ እማመ ከም ዘቕረበ ብሰንበት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ መበገሲ ናይቲ ክሲ እንታይ ምዃኑ ኣይተነጸረን። ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር እቲ እማመ ናብ ኣፈኛ ፓርላማ ንኽቐርብ 92 ኣባላት እቲ ፓርላማ ክታሞም ከንብሩሉ ኣለዎም። እቲ ፓርላማ ድሕሪ ሰሙን ነቲ እማመ ክካትዓሉ ከም ዝኽእል ይግመት።

ገለ ካብ መኽሰሲኡ ድማ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብምጥሓስ ምስጥራዊ ስምምዕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ኤርትራን ብምፍጻሙ ምኻኑ ተፈሊጡ።

YASUYOSHI CHIBA//TT

ፓርላማ ሃገረ ሶማል ብድምር 275 ኣባላት ኣለውዎ። እቲ ናይ ክሲ እማመ እኹል ድምጺ ረኺቡ ንኽዕወት ድማ ደገፍ ክልተ-ሲሶ ኣባላት ፓርላማ ክረክብ ኣለዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com