Tuesday , April 23 2024
JONATHAN NACKSTRAND/TT

ን ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ዘሰለፈት ሽወደን ማዕረ ተፈላልያ!

ሕሪይቲ ጋንታ ሽወደን ናብ ጎርቤታ ነርወይ ብምኻድ 2ይ ውድድር መጻረዪ ዋንጫ ኤውሮጳ ብ ድራማትካዊ ውጺኢት ብናይ ሓባር ዓወት 3 ብ 3 ተፈላልያ።

ድሕሪ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ተቀይሩ ናብ ሜዳ ምእታዉ ዝተረጋግእትን፡መጥቃዕታ ዘሐየለት ሽወደን ነታ ቅድሚ ዕረፍትን፡ድሕሪ ዕረፍትን ኣከታቲላ 2 ሹቶታት ዘመዝገበት ነርወይካብ ድሕሪት ተበጊሳ 3ብ2 ክትመርሕ ኪኢላ ኔራ።

ሽወደን እቲ ቀጽሩ 10 ብዘላታት እትልበስ ዝነበረት ቁጽሪ ማልያ ለቢሱ ተቀይሩ ዝኣተወ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ክሳብ ናብ ሜዳ ዝኣቱ 2ብ0 ተመሪሐ ኔራ።

ይኩን ምበር ክላሰን ሓንቲ፡ሮበን ኬሰን ክልተ ብዘመዝገብወን ሹቶታት ጸወታ ተዛዚሙ ክሳብ ተወሳኪ ሰዓት ዝዋሃብ 3ብ2 መሪሓ ንክትዕወት ፍስካ ማእከላይ ዳኛ እንዳተጸበየት ኖርወይ ብመገዲ ካማራ ሹቶ ኣመዝጊባ ጸወታ 3ቡ3 ብምዝዛሙ ኖርወይ ካብ ሽወደን ሓንቲ ነጥቢ ክትረክብ ኪኢላ አሌክሳንደር ዘር አዮ ምንቅስቃስ አብ መሐጺር ግዜ ቀዋሚ ተሰላፊ ዘይኮነሉ ምክንያት የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com