Friday , April 19 2024
An employee at the Swedish Tax Agency spent 55 hours on the phone with himself to avoid working. (AP Photo/Michael Probst)

ን55 ሰዓታት፡ ናብ ቴሌፎኑ ዝደወለ ሰብ

ሓደ ኣብ ክፍሊ ሓበሬታ ናይ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ስካተቨርከት ዝሰርሕ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኾነ ሰብኣይ፡ ንዓማዊል ከየዛረብ ምእንቲ፡ ን55 ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ናብ ናይ ውልቁ ቴሌፎን ይድውል ከምዝነበረ ኒያ ቨርምላንድስ ቲድኒንየን ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢሩ።

እዚ ሰብኣይ፡ ከምኡ ብምግባሩ፡ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከም ዘጋጥም ብምግባሩ፡ ዓማዊል ውን ናይ ትጽቢት ሰዓታቶም ከም ዝነውሕ ኮይኑ ክብል ሓላፊ እቲ ክፍሊ ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣይ፡ ከምዚ ክገብር እንከሎ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንፈለማ ግዜ ከምዝተረኽበን፡ ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ፍጻሜ ክሒድዎ እኳ እንተነበር፡ ስዒቡ ግን ከምዝኣመነሉ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ነቲ ፍጻሜ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውን ከምዝቐጸሎን ብጠቕላላ፡ ንክልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ከምኡ ከም ዝገበረ ተፈሊጡ ኣሎ።

ስለምንታይ ከምኡ ክገብር ከምዝኸኣለ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ከዕርፍን ፍልጠቱ ከማዕብልን ከምኡ ውን ኣብ ስራሕ ዝረኽቦ ምትብባዕ ብጣዕሚ ትሑት ብምዃኑ እዩ ከምዚ ክገብር ዝኽኣለ ክብል ገሊጹ።
እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራሕተኛ፡ ክሳብ ካብ ስራሕ ምስጓግ ዝበጽሕ ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com