Thursday , April 25 2024
FI warns against fraudsters who claim to be calling from the authority. Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10080

ን55 ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ናብ ናይ ውልቁ ቴሌፎን ዝደወለ ሰብኣይ ናብ ስርሑ ተመሊሱ

ሓደ ኣብ ክፍሊ ሓበሬታ ናይ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ስካተቨርከት ዝሰርሕ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኾነ ሰብኣይ፡ ንዓማዊል ከየዛረብ ምእንቲ፡ ን55 ናይ ስራሕ ሰዓታት፡ ናብ ናይ ውልቁ ቴሌፎን ብምድዋሉ ተኸሲሱ ብምጽንሑን ሕጂ ግን እቲ በዓል መዚ፡ ነቲ ሰራሕተኛ ኣብ ስርሑ ንኽቕጽል ከምዝወሰነ NWT ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ሰብኣይ፡ ከምኡ ብምግባሩ፡ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከም ዘጋጥም ብምግባሩ፡ ዓማዊል ውን ናይ ትጽቢት ሰዓታቶም ከም ዝነውሕ ኮይኑ ክብል ሓላፊ እቲ ክፍሊ ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣይ፡ ከምዚ ክገብር እንከሎ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንፈለማ ግዜ ከምዝተረኽበን፡ ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ፍጻሜ ክሒድዎ እኳ እንተነበር፡ ስዒቡ ግን ከምዝኣመነሉ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ነቲ ፍጻሜ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውን ከምዝቐጸሎን ብጠቕላላ፡ ንክልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ከምኡ ከም ዝገበረ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ሰብኣይ፡ ካብ ደሞዙ 25% እናተቖርጸ ስርሑ ክቕጽል ከምዝተፈቕደሉ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ ኣሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com