Thursday , April 25 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ኖርበርተን: እቲ ዝበዝሐ መጠን ሞት ሕማም ልቢ ዘመዝገበት ዞባ ስዊድን ኮይና ።

መጠነ ሞት ሕማም ልቢ ኖርበርተን ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ሽወደን ዘጋጠሙ ናይ ሞት ሓደጋታት ዝበዝሐ እጃም ከም ዝወስድ፡ ብሊንክ ድማ ካልኣይ ደረጃ ከምትሕዝ ተገሊጹ።

እቲ ዝተሓተ መጠን ሞት ኣብ ኣውራጃ ኣፕሳላ ዝተመዝገበ ኮይኑ ካብ ብለኪን ብ 40 ሚእታዊት ከም ዝንእስ ተገምጊሙ።

” ዞባዊ ፍልልያት ኣብ ከምኒ ክብደት ኣካላት፥ ምትካኽ ሽጋራ፡ ልምዲ ምንቅስቓስን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ኣገባባት መንበሮ ተራ ኣለዎም” ትብል መምህር ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ፕሮፈሰር በርቲል ሊንደል።

ብመሰረት ሃገራዊ ሽማግለ ጥዕናን ማሕበራዊ ድሕነትን ዘውጾኦ ኣሃዛት መጠነ ሞት ሕማም ልቢ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ኖርቦተን ካብ ሚእቲ ሽሕ ልዕሊ 20 ዝዕድሚኦም ሰባት 112 ክኸውን እንከሎ ኣብ ብለኪን 95 ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።እቲ ዝተሓተ ኣፕሳላ ኮይኑ 57 እዩ።

ብሓፈሻኡ እንክረአ ኣብ 2017 ቁጽሪ ብሕማም ልቢ ዝሞቱ ሰባት ምስ 2016 እንክወዳደር ብ 400 ምንካይ ኣርእዩ’ሎ።

መጠን ሞት ሕማም ልቢ ኣብ 2017 5900 ክኸውን እንከሎ ቅድሚ 30 ዓመት እቲ ቚጽሪ 18400 እዩ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com