Thursday , April 25 2024
Juno Blom, party secretary of the Liberals. Foto Lars Schröder / TT kod 10510

ኖርወይ፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ን ዩክሬይን ዝኸውን ኣጽዋር ከፍርዩ ከም ዝደልዩ ገሊጹ።

ካብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ኣጽዋር ምግዛእን ናብ ዩክሬይን ምሻጥን ብዝምልከት፡ መንግስቲ ነቲ ብኔቶ ዝቐረበ እማመ ክሰምዕ ከም ዝግባእ፡ ሰልፊ ሊበራል ኖርወይ ሓቲቶም ኣለዉ።

“ነቲ ስቶለንበርግ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጠለብ መንግስቲ ክምልሰሉ ብተርባጽ ኢና ንጽበ ዘሎና፡ ምኽንያቱ ዩክሬይን ብቕልጡፍ ኣጽዋር የድልያ’ሎ” ክትብል መራሒት ሰልፊ ሊበራል ጉሪ መልቢ ን ጋዜጣ ክላስካምፐን ኣተሓሳሲባ’ላ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሃንስ ስቶለንበርግ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኡቶያ ንዝርከብ AUF ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ሰብመዚ ኖርወይ ምስ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ዩክሬይን ክዘራረቡ ከም ዝግባእ ን ጋዜጣ VG ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ምጅማር ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን፡ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሃገሩ እትጠልቦ ዝርዝር ኣጽዋር ናብ ስቶለንበርግ ልኢኹ ምንባሩ፡ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com